بسم الله الرحمن الرحيم

altኤረትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን

ደምዳሚ ኣዋጅ ባይቶ ሹራ

ልዑል ምስጋና ይብጻሓዮ ንኣልላህ ነቲ ብልግስታቱ ሰናይ ተግባራት ዘስፈነ ከምዉን ምሕረትን ሰላምን ነቲ እሙን ዝኾነ ልኡኽ ኣላህ ሙሓመድ ወዲ ዓብዱላህን ስድራቤቱን ብጾቱን ከምኡዉን ኩሎም ሰዓብቱን::

ኣላህ ይብል.

قال تعالى : (وَقَالَ الَّذِينَ كَفَرُوا لِرُسُلِهِمْ لَنُخْرِجَنَّكُم مِّنْ أَرْضِنَا أَوْ لَتَعُودُنَّ فِي مِلَّتِنَا فَأَوْحَىٰ إِلَيْهِمْ رَبُّهُمْ لَنُهْلِكَنَّ الظَّالِمِينَ (13) وَلَنُسْكِنَنَّكُمُ الْأَرْضَ مِن بَعْدِهِمْ ذَٰلِكَ لِمَنْ خَافَ مَقَامِي وَخَافَ وَعِيدِ (14) وَاسْتَفْتَحُوا وَخَابَ كُلُّ جَبَّارٍ عَنِيدٍ (15)) سورة إبراهيم.

ሓፈሻዊ ትርጉም: ኣላህ ይብል;( ካሓድትቲ ነቶም ናብኦም ዘተላእኩ ልኡኻት:ካብ ሃገርና ከነውጻኣኩም ኢና :ወይ እንኽተሎ እምነት ተኸተሉ ይብሉ;ኣላህ ከኣ ነቶም ኣምንቲ መልእኽቱ የብጻሓሎም:ብሓቂ ነቶም ዓመጽቲ ከነጥፈኦም ኢና:ድሕሪኡ ኸኣ ኣብታ ምድሪ ከነንብረኩም ኢና:እዚ ኸኣ ነቲ መዓርገይ ዝፈለጠን ካብ መጠንቕታይ ዝፈረሀን እዩ::ኩሉ ጎሳዪ ሓቅን ዓማጽን በዳልን መጨርሽትኡ ኸኣ ኽስራንን ጥፍኣትን እዩ::

ክቡር ተቓላሳይ ህዝብና:

ባይቶ ሹራ ኤረትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን 4 ስሩዕ ኣኸቤኡ ካብ ዕለት 16.03.2018 ክሳብ ዕለት 17.03.2018 ኣካይዱ::ኣብ መኽፈቲ ኣኼብኡ ኣባላት ባይቶ ሹራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ኣብ ምጅማር እዛ ዓመትን  ብሞት ዝተፈልዩና እሞ ናብ ረቦም ዝተመልሱ መራሕቲ ሰልፍና: ሸይኽ ዓረፋ ኣሕመድ ሙሓመድ ኣሚር እስላማዊ ምንቅስቓስ ጂሃድ ዝነበረ ከምኡውን ውተሃደራዊ መራሒ ሳልሕ  ስራጅ ንልዑል ኣላህ ኣብ ዝላዓለ ገነቱ (ፊርዶስ) ክእትዎምን ሹሃዳእ ክቕበሎምን  ጾሎት (ዱዓእ) ጌሮሙሎም::

ባይቶ ሹራ ኣብ ኣኼብኡ ነቲ ካብ ዋና ቤት ጽሕፈትን ውሽጣዊት ተቖጻጻሪት ኮሚተን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ጸብጻባት ስሩዕ ዓመታዊ ስራሓት ብተወሳኺ 2018 ዝተወጠነ መደብ ዕዮ ብስፍሕ ዝበለን ዕምቆትን ዘትይሉ:: ንኹሉ ዝተመዝገበ ዓወታት መደብ ዕዮ ናይ 2017 ኣብ ውሽጣዉን ግዳማዊን ጸፍሕታት ክሙጉስ እንከሎ ነቲ እተረኽበ ጉድለታትን ሕጽረታት ከይድገምን ከማሕይሽ ዘኽእል ብርክት ዝበሉ መምርሒታትን ውሳኔታትን ኣመሓላለፈ::

ባይቶ ሹራ ንህልው ኩነታት ኣብ ዝተፈላለየ ጸፍሕታት: ብሓፈሻ ንሰልፍናን ንተቓውሞ ውድባት ብዝመልከት ብፍላይ ከኣ ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ብስፍሕ ዝበለን ዕምቆትን ተመራመረሉ ::ንሃገራዊ ባይቶ ዘጋጠሞ ጽንኩር ኩነታት ንምሕላፍን ንዘጋጠሞ ብዶሆታትን ዕንቅፋትን ንምስጋር ጻዕርታትዉን ኣሞገሰ::ነዚ ብዝርኢ ነቲ ኣወንታዊ መርገጽ ናይተን 18 ውድባት ብኣኽብሮት እናጠመተ ኣብ ዝቐረበ እዋንን ግዜን ከኣ መበል 2 ጉባኤ ባይቶ ክካይድ ይምሕጽን::ቤት ምኽሪ ሹራ :ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሓፈሻ ንተቓወምቲ ውብድባት አርትራ ብዘርኢ ብፍላይ ከኣ ንአረትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘጋጠሞ ጸገማትን ዕንቅፋትን እሞ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዘንቆልቀሎ ከምበሓድሽ ንኸይድገም ከኣ ኣዝዩ የጠንቅቕን የዘኻኽርን::

ክቡር ተባዕ ህዝብና

ባይቶ ሹራ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ግዳም ብሰንኪ ዓመጻዊ ፖሊሲታት ዓማጺን ደማዉን ዝኾነ መንግስቲ ኤረትራ እሞ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝሳቐን ዝጭኮንን ዘሎ ተባዕ ህዝብና ብጉዳ ተዛትዩ ከብቅዕ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብኣደዳ ጥምየት ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ብሰንኪ ኣንጻር ሃገርና ዝትግበር ዘሎ መቕጻዕትን እገዳን ጠንቁ እቲ ስርዓት ስለ ዝኾነ እሱ እዩ ሓላፍነቱ ዝስከሞ ::

ክቡር ውፉይ ህዝብና

ባይቶ ሰልፍና ብቐዳማይ ደረጃ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ግዳም ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ቃልስታት ውፉያት ሃገራዊያን ደቂ ሃገር እናሞገሰ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብትብዓት ኣብ ጎኒ እቲ ብሩኽ ዝኾነ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣብ ዋና ከተማ ሃገረ ኤረትራ እሞ ተባዕ ሃገራዊ ሸሂድ ሙሳ ሙሓመድ ኑር ዝመረሖ :ኣላህ ርህራሄኡ ከውርደሉ እናለመነ ኣኽብረቶ ክገልጽ ይፈቱ :: ከምኡዉን ንኹሎም ደቂ ሃገር ደለይቲ ናጽነትን ማዕርነትን ፍትሕን :ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክጽንበሩን ኣብ ጎኑ ጠጠው ክብሉን ይላቦ::ምኽኒያቱ ዓወት ንምጉንጻፍ ነፍስወከፍ ኤረትራዊ ዜጋ ነዚ ናይ ሓባር ቃልሲ ክጽንበሮ ስለ ዝግባእ ::

ክቡራት ደገፍቲ ህዝብና

ባይቶ ሹራ ንጉዳይ ኤርትራ ዝጸሉ ህልው ኣህግራዉን ዞባውን ጉዳያት ኣጽነዐን ተመራመረን::በዚ ኣጋጣሚ ባይቶና ንኩሎም ሓይልታት ፈተውቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ናጽነትን ምስ ህዝቢ ኤረትራ ክታሓባበሩ እናዓደመ ኣንጻር ደማዊ ዝኾነ ስርዓት ኣፎርቂ ደው ክብሉን ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ዓመጽን ስቓይን ጥምየትን ጠጠው ከብልዎ ይጽውዕ::እነሆ ሕሉፍ ሓሊፉ ከምቲ በዓልቲ መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤረትራ ዘቃላዓቶ ሸላቢ ከሳሮስ ኣብ ስነ ስርዓት ምቕባር ሸሂድ ሙሳ ሙሓመድ ኑር ተኻፊሎምን ኣኽቢሮምን ብምባል ንትሕተ ዕድመ ናእሽቱ ቀለውዕ ይኣስርን ኣብ ውትህድርና ይድጉንን ይርከብ::እዚ ኸኣ ግብረ-ሸበረ መንግስቲ ከምዝኾነ ኣየጠራጥርን::በዚ ኣገጣሚ ንኩለን ኣህጉራውያን ትካላት :ነዚ ስርዓት ደረቱ ከፍልጥዎ እቲ ዘድሊ ሓያል ጸቕጢ ክገብርሉ ደጋጊምና ንጽውዕ::ነተን ኣብ ዞባና ዘለዋ ምንግስትታት እሞ ነዚ ስርዓት ዝድግፋ ከኣ ስቓይ ህዝብና የናውሓ ከምዘለዋ እናኣዘኻኸርና ህዝቢ ኤረትራ ሓያል ተዘክሮ ከምዘለዎን ነዚ ዓይነታት ተግባራት ከምዘይርስዕ ክፈልጣ ኣለወን::::

ዓወትን ናጽነትን ኣኽብሮትን ንመላእ ህዝብና

ውርደትን ውድቀትን ንዓማጺ ስርዓት

ባይቶ ሹራ

17.03.2018

إضافة تعليق


Security code
تحديث

اعلي الصفحة