መግለጺ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን

ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ክቡር ጽምብል ናጽነት ኤርትራ

ጅግና ሓፋሽ ህዝቢና!!

ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ስሩት ክብረቱን መሰሉን ንምርግጋጽ፡ ካብቲ ብርእሰ ሓያላን ምዕራባውን ምብራቕውን ደምበታት ዝሕገዝ ዝነበረ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘይተጓደለ ሙሉእ ሃገራዊ ልዑላውነቱን ናጻ ወሳኡን ንምውናን፡ ምእን ሂወቱን ማሉን እንከይበቀቐለንትናዊ ሰፍ ዘይብል ረዝን ተጋድሎን መስዋእትን ብምኽፋል ሃገራዊ ናጽነቱ ኣረጋግጸ።

ጽኑዕ ህዝቢናን መሓዙትናን!

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢናብዘይካ ህዝቢና ካልእ ደጋፊ ኣብ ዘይነበሮ እዋን፡ ፍትሓዊ ጉዳይና ኣብ ዓለም ንምግልጽን ኣዕሩኽ ሰውራና ንምርካብን ኣብ እንካይዶ ዝነበርና ጽንኩር መድረኽ ቃልሲ፡ ፍትሓዊ ጉዳይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምርካብ ሓፈሻዊ መጋብእያታት ንዘበርክቱልናን፡ ኣብ ርእሲኡ ካኣ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢና ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮ ነገራውን ሞራላውን ደገፍ ዘለገሱልና ኣሕዋትና ህዝቢታት ዓረብ ሞሳኦም ኪንገልጽ ንፈቱ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና፡ ስደትን መከራን ዝመረሮ ህዝ ናይ ሃገሩ ጸጋታት ክጥቐም ዘይምኽኣሉን፡ ላዛ ናጽነትን ማሙቚ ሕቚፊ ሃገር ንከስተማ ዘኽእሎ መርግጋእ ምስኣኑን’ዩ። ኤርትራ ሃገሮም እንከይጸበብቶም፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ጸላእቲ ዘሳጒጎም ብድሕሪ ናጽነት ተጋደልትን ደቆምን ኣብ ስደት ዛሕዛሕ ኪብሉን ኪመቱን ቆንፈዞው ክትርእዮም እንከለኻ ኣዝዩ መሪር’ዩ።

ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ትልሙን’ዩ ኔሩ። ኣብ ክሊ ምዕሩይ ኣሳታፍነት ብሓባር ንምንባርን፡ ናይ ሃገር ምህናጽ ብድሆታት ብሓባር ሓላፍነት ክስከምን ጽቡቕ ዕድል ካኣ’ዩ ኔሩ። ይኹን ዳኣምበር ናይ’ቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዂረ መንግስቲ ባህርኡን ስነምግባሩን ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ መስዋእትን ጥሙሕን ህዝቢ ኤርትራን ገፊሕ ኣፈላላይ ተኸውን ተኸሲቱ። መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምህናጽ ሃገር ንምሕላው ናጽነትን ከም ዘይምልከ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዲያስፖራን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ግምትን ዝህብ ኣይኮነን። ናይ ህዝባ ብፍላይ መንእሰያትን ዓያይ ሓይልን ኮነ ኢልካ እትፈናቅሎ መሬት ምውራስ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ሃገር ብድንቁርናን ብድሕረትን ኣይትህነጽ ኣይትኽእልን እያ ዩኒቨርሲቲ ብምዕጻው፣ ናውቲ ማእቶት ብምህጋር፣ መንእሰያት ሃገርና ብገደብ ዘይብሉ ኣስገኣዲ ዕስክርና ብምጒራት፣ ንፍሉይ ርኢቶ ዝህልዎም ዜጋታት ብምጽባእ ብግፍዒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምድጓን፣ ዜጋታት ንዝተቓለስሉ ዕላማ ሰላም ክረኽቡ ኣይእሉን’ዮም። ብኡ መጠን አርትራዊ ዜጋ ሎሚ፡ ህልው ደማዊ ስርዓት ክትግምቶ ብዘጸግም ኩነታት ኣብ ነፍሱን ማሉን እምነቱን ክሰግእ ይኸውን ኣሎ።

ንሕና ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ናጽነት ኤርትራ ንምዕቃብን ምክልኻልን ዘይሕለል ጻዕሪ ካብ ምክያድ ኣይክንቁጥብን ኢና። ኣብ ልዕሊ ህዝ ተጻዒዘሎ ገባቲ ስርዓት ንምውዳቕን፡ ኣብ ትሕቲ ሓርነታትን ፍትሕን ዘረጋግጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኩሉ ደቂ ሃገር እትሓቚፍ ሃገር ንምህናጽን፡ ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ኣብ ዙርያ ንኡስ ፕሮግራም ገድላዊ መሳርዓቶም ንምጥርናፍጽዕቱ ንጽዊዕ።

ጅግና ሓፋሽ ህዝና!!khalas logo

ህዝብን ኩሉ ንጡፍ ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታት ብምጥርናፍ ዕድመ ስቅያት ህዝ ንምሕጻር፣ኣዕኑድ ሃገራዊ ሓድነት ንምስባር ስርዓት ህግደፍ ዘበላሸዎ መንፈስ ሕውነት ንምዕራይ፣ተሞኩሮ ሓድነታዊ ቃልሲ ኣቦታት ናብ ምውራስ ውዲታት ጸላእቲ ንምፍሻል፣ናይ ናጽነትን ዕላማታቱን ትርጉም ንምሕዳስን፡ ምሕያልን ሃገራውነት ምስራጽን፡ ነዚ ሃገራዊ ኣጋጣሚ’ዚ ከም ሓዲሽቅሎ ኪንገብሮዶ ንኽእል? እዚ ብርግጽ፡ ካብ’ቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ ቃልሲ ዘይንእስ ቃልሲ ከም ዝጠልብ ለባማት ይእምቱዎ’ዮም።

ተባዓት ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት!!

ህዝ ካብ’ቲ ዘሕልፎ ዘሎ ፖለቲካዊቁጠባዊማሕበራውን ጸጥታውን ቅልውላው ብከመይ ነድሕኖ? ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ቅድመ ኩነት ዜጋታት ብክብሪ ምንባር፡ ንስደተኛታት ምምላስን እተውሕስ ሓዳስ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ኩላህና ብከምይ ንሳተፍ ምሕሳብ የድሊ።

ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ጊዜ፡ ነቲ ኩሉ ዝተኻየደ ክቡር መስዋእቲ ዋጋ ዘይምሃቡ፣ ንጉዕዞ ታሪኽ ዝጥምዝዙ፣ ናይ ዝሓለፈ ፈተነታት ሕብረተሰብኣዊ ምክፍፋል ዝደግሙ፣ብመሰረት ሃንቀውታኦምሃገራዊ ልዑላው ንምንኣስ ዘለዓዕሉ ገለ ጉጅለታት ይቅልቀሉ ኣሎዉ። ሓይሊ ተጻባእቲ ክንዲ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ናይ ህዝቢታት መሰል ተደቚሱ ኣይነብርን’ዩ። ታሪኽ ፍትሓዊ ምስክር ከም ምዃኑ መጠን፡ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢና ድማ ነዚ ሓቂ እዚ’ዩ ኣረጋግጽዎ። ስለ ዝኾነ ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ፡ እዞም ጉጅለታትዚኣቶም ታሪኻዊ ሓላፍነትስምዕም ንጽዕ።

ፈተውቲ መሓዙት ህዝብና!!

ኣስታት ዕስራ ዓመታት ንዝወሰደ ኤርትሮ-ኢትዮጵያዊ ተጻብኦ ንምብቃዕ ኣህጉራዊ ጻዕታት ሰላም ይካየድ ኣሎ። ገለ ወገናት ድማ ቐቢለነኦ ኣሎዋ። እዚ ከባቢባ’ዚ ናት ዝማሰነን ዝተሓመሰን ስለዝኾነ፡ ሰላም ናይ ህዝቢታት ጠለብ’ዩ። ንሕና እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን ነዚ ጻዕሪ’’ዚ ነመጒስ። ሰላም ምእንቲ መርግጋእን ልምዓትን እዋናዊ ተደላይነት ኣለዎ። ንክልተኡ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኣሳስሩ ረብሓታ ዝተኣታተዉ ዝምድናታትን፡ ካብ’ቲ ወልቃዊ ጥሙሓትንልዓዊ ፖሊታት ስርዓት ህግደፍዓቢ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና ድማ፡ ሓይልታት ፈተውቲ ሰላምን ፍትሕን ንሰብኣዊ መሰላት ትኲረት ክህብዎ ከነዘካኽር ንደሊ። ንህዝቡ ሰላም ዘየውሕስ ስርዓት ናይ ካልኦት ሰላም ክኸብር ስለ ዘይክእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ልዕሊ ጭቋኒ ደማዊ ስርዓት ኢሳያስ እምነት የብሉን። ነባሪ ሰላም ንምስፋን፡ ቅድም ቀዳድም ኤርትራዊ ውሽጣዊ ሰላም ክቅድም፣ ወይ ጎኒ ጎኒ ሰላም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክስራሕ ይህልዎ። ምስ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝግበር ኣብ ባይታ ንህዝቢ ኤርትራ ፍረ ዘይህብ ዘየገልግል ሰላም ንህዝቢ ኢርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዝምልከት ከምዘይኮነ ነረጋግጽ።

ህዝቢ ኤርትራ ሓራን ናጻን ኮይኑ ይንበር!!

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ተቓለስትን ስዉኣት!!

ጠቕላሊት ሰክርታርያ

24 ግንቦት 2018

اعلي الصفحة