بسم الله الرحمن الرحيم

እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን

5 ጠቕላላ ጉባኤ

ጠቕላላ ፖለቲካዊ ፕሮግርም

قال الله تعالى :- (إِنَّ اللَّهَ يَأْمُرُ بِالْعَدْلِ وَالإِحْسَانِ وَإِيتَاءِ ذِي الْقُرْبَى وَيَنْهَى عَنِ الْفَحْشَاءِ وَالْمُنكَرِ وَالْبَغْيِ يَعِظُكُمْ لَعَلَّكُمْ تَذَكَّرُونَ [النحل:90]

መእተዊ፡-

ሓሙሻይ ጠቕላላ ጉባኤ እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ፍትውቲ ሃገርና ብድሕሪ 22 ዓመታት ኣዋጅ ሓርነትን ናጽነትን፡ ኣብ ርእሲ ርእሲ ብዝተጸፋጸፉ ኩምራ በደላት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣብ እትነብረሉን፣ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ብጭካነ ኣብ ዝገሃሰሉን፣ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን መሰላት ህዝቢ ንምምላስ ኣብ ዝቃለሱሉን፡ ኣህጉራዊ ውድባት ንግህሰታት መሰላት ኤርትራውያን ጠጠው ንምባል ኣብ ዝምሕጸኑሉን ዘሎውዎ እዋን’ዩ ተኻይዱ።

ህጻናትን ኣካለ ድኹማትን ኣረጋውያንን እንከይተረፉ፡ ካብ በደላት ስርዓት ህግደፍ ዝደሓነ ኣብ ሕብረተሰ ኤርትራ ሓደ’ኳ ነይርከብ። ኣብያተ ማእሰርቲ ገበናቶምን ፍርዶምን ብዘይፈልጡ መሊኦም። ሕብረተሰብ ኤርትራ ንናይ ምብትታን ስድራቤታት ሓደጋን፡ ክብሩ ኣብ ዝገሃሰሉን ኩነታት ተሳጥሑ ይርከብ። ኣብ መላእ ሃገር ድኽነት ብዘሰግእ ኩነታት ኣስፋሕፈሐ፤ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሃገርና ኣብ ዕጹውን ኣብ ዘይምርግጋእን ኩነታት ይርከብ። ብስንኪ’ዚ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ጽንኩር ፈተነ ወደቐ። ፍርሒ ንኩሉ ሰናይ ተስፋን ተበግሶን ቀተሉ። ከምኡ’ውን ብዕንደራን ውልቃዊ ድልየታትን ዘዓወረ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኩሉ መሳርሕታት ጭቆናን ወጽዓን ብምጥቓም ስልጣኑ ዓትዒቱ ሒዝዎ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ወይ ኣብ ኣስገዳድ ዕዮ፡ ወይ ናይ ትርጉም ዘይብሉ ኩናት ከም ዕንጸይቲ እቶን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ክልተ መረርቲ ጫፋት ክቅርቐርን፡ ህይወቱ ብሽበራ መንግስቲ ክኸበብን ኮይኑ ኣሎ። ከምኡ’ውን መንእሰያት መጻኢ ዕድሎም ብምጽልማት፡ ናይ ሃገር መጻኢ ዕድል ዘስእን ብዘይ ዕላማ ዓዶም ራሕሪሖም ክውጹ ይግደዱ ኣሎዉ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሃገርና ካብ ዝሓለፉ ኣዋናት ብዝያዳ ብውጥረት ክሕቝን ንርእዮ ኣሎና። ጃንዳ ገዛኢ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት’ዚ፡ ምንም ኣቓልቦ የብሉን። ንሕና ግና ከም ኣመንቲ መጠን ካብ ርህራሄ ኣላህ ፈጣሪ ተስፋ ፈጺምና ኣይንቆርጽን። ኩሉ ሻብ ኣብ መውዳእታ ድቕድቕ ጸልማት ተስፋ ዝህብ ጩራ ብርሃን ከምዘሎ ንኣምን። ንኩሎም ኤርትራውያን ትስፉው መጻኢ ዕድል ንምርግጋጽ፡ ሃገራዊ ሓይልታት ብሓፈሻ ብመንገዲ ኣፍራይ ዘተታት ጻዕሪታቶም ከወሃህዱን፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ኣረኣእያታቶምን ስያመታቶምን ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ቃልሲታቶም ከበርኹን ኣድላይነት ከም ዘለዎ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።

እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ፡ ኣብ 2004 ብድሕሪ ዘካየዶ 4 ጉባኤ፡ ሎሚ ገምጋምን ለውጥን ምዕባለን ዝገብረሉ ሓዲሽ ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ። እዚ 5 ጉባኤ’ዚ፡ ንቕሎ ኣድማዕነት ፕሮግራሙን ምሕዳስ መርሕነቱን’ዩ። ኣብ’ዚ ወቅቲ’ዚ፡ ንኤርትራ ካብ ወዲቓትሉ ዘላ ድሕረት፣ ተርእዮታት በደላት፣ ምብሓት ስልጣንን ሃብትን፣ ዘውጻኣ ክውንነታውን ግብራውን ፕሮግራምን፡ ምዕሩይ መርሓ ሕዳሰን የድልያ ከም ዘሎ ፍሉጥ’ዩ። ፕሮግራምና ንሃገራዊ መልእኽትና ዘንጸባርቕን፡ ብኡ ንብኡ ድማ ንተስፋን ድልየታትን ህዝብና ዘረጋግጽን’ዩ። ካብ ናጻ ኤርትራዊ መንነትና ዘዕቅቡ መቆሚያታትን መትከላትን ልዙብ ስነሓሳብናን ምዕሩይ ፖለቲካዊ ራእይናን ብምብጋስ፡ ካብ ዓሚቕ ናይ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ እምነትናን፣ ሃይማኖታዊን እትኒካውን ቋንቋውን ፖለቲካውን ስነሓሳብን ብዙሕነትን ብግቡእ ኣኽቢርናን ሓሊናን፡ ምስ’ቶም ሓደሽቲ መድራኻውያን ዝኽሰቱ ለውጥታት ከከም ተደላይነቱ ንተዓጻጸፍን፡ ካብኡ ዝርከቡ ዕድላት’ውን ብዓቢ ተገዳስነት ንርእዮም ጉዳያት ኢዮም።

ኣብ መቆሚያታትን ፕሮግራምን መሰረት ብምግባር፡ ምእንቲ ኤርትራ ምብራኽን፡ ዜጋታታ ክኸብሩን፡ ንመሰልን መሬትን ክብሪታትን ምክልኻልን፡ ከምኡ’ውን ናይ’ዚ ሃገር’ዚ፡ ዝተዛናበዐ ኩነታቱ ክሳብ ዝመዓራረ፣ ዝተደወነ ገጽ ሃገርና ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ፣ ንኩሉ ዝሓቍፍ መሳጢ ሃገር ክሳብ ዝኸውን፡ ዝያዳ መስዋእቲ ንምክፋል መብጸዓና ነሐድስ።

 

ቀዳማይ ምዕራፍ፡- ኣገዳስነት ኣቀማምጣን ታሪኻዊ ሞጎትን ኣኤርትራ

 

ቀዳማይ፡- ኣቀማምጣን ታሪኽን ኤርትራ

 

ሀ/ ኣቀማምጣ፡-

ኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ስለዚኾነ ቀዳሞት ይኹኑ ዳሕረዎት ሓያላን ኣህጉራዊ ሓይልታት፡ ንኤርትራ ኣብ ክሊ ጠቕመንን ረብሓአንን ብምእታው፡ ንክጎብጣኣ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩናት ከካይዳ ጸሐን’የን። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪቃን ሓውሲ ዓረባዊ ደሴትን መስኖ ርክብ ንግዳውን ስልጣኔን ኮይና ጸኒሓ’ያ።

ለ/ መዓርፎታት ታሪኽ ኤርትራ፡-

ኤርትራ ኣብ ቀዳሞት ምስራውያን ፍልጥቲ ነበረት። ናይ ፋርዖናውያን መራክብ (5 ክፍለ ዘመን ቅድመ ልደተ እየሱስ) ይበጽሓኣ ነበራ። ከምኡ’ውን ገማግማ ኣብ መጀመርታታት (4 ክፍለ ዘበን ቅድመ ልደተ እየሱስ) ብጎበጠታት ግሪኻውን ሮማውን “ጰጥለማውን” ተሳጢሓ ነበረት። ካብ ናይ ሎሚ ወደብ ምጽዋዕ 40 ኪሎሜትር ኣብ እትርሕቅ ድማ ወደብ ዓዶሊስ ኣቝሙ።

ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ክርስትና ኣንጊሁ ኣተወ። ብትእዛዝ ንጉስ ኢዛና (320-356) ወግዓዊ ሃይማኖት ከኣ ኮነ። እስልምና’ውን ብቀዳሞት ቃፍላ ሰሓባ (ሙሃጅሪን) ብ615 ዓ.ም.ፈ. ኣተወ። ካብ ዓረባዊት ደሴት ወጻኢ ቀዳማይ መስጊድ ሃነጹ ድማ። ኤርትራ ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚራ ምስ እስላማዊ ስልጣኔ ጽኑዕ ምትእስሳር ነበራ።

ኣብ ዘመነ ሃጸይ ምኒልክ ውዑል ውጫለ 1889 መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶባት ዝወሰነ ፖለቲካዊ ዶብ ምሕንጻጽ ተነጸረ። ኢጣልያ ኣብ 2 ኩናት ዓለም ክሳብ ትሳዓር፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ጸነሐት። ካብ 1941-1951 ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምሕደራ ብሪጣንያ ኣተወት። ብድሕሪ ምውጻእ ኤሮጵዊ መግዛእቲ፡ ካብ 1951-1962 ዝጸነሐ ኣስገዳድ ፈደራላዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣዝዩ ዝጎለሐ መዓርፎ ኔሩ። እንተኾነ ግና፡ ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራላዊ ውዑል ብኢደ ወነና ኣፍረሰቶ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ 1991 ክሳብ ዝድምስስ 30 ዓመታት ዝቐጸለ ሰውራ ኣካየደ። ድሕርኡ ድማ ሕቡራት ሃገራት ብተዓዛብነት ዝተሳተፎ ረፈረንዱም ብምክያድ፡ ብዕለት 24 ግንቦት 1993 ኣዋጅ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ተኣወጀ።

ካልኣይ፡- ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ኤርትራ

ሀ/ መድረኽ ርእሰ ውሳኔ

ኣብ መዋእል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ መድረኽ ኣርባዓታት ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣገዳሲ መድረኽ ነበረ። ሃገራዊ ንቕሓት ክብ ዝበለሉን ዝተቐርጸሉን፡ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ግሉጽ ሃዋሁ ዝተረጋገጸሉን፡ በበይኑ ፖለቲካውን ሰነ ሓሳባውን ዞባውን መርገጺታት ዝውክላ ብዝተቐላጠፈ መንገዲ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሰልፊታት ተመስረታ። ኣብ ሞንጎኣን ድማ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ንጹር ፍልልይ ነበረ። እዚ ድማ ናይ ቦታውን፡ ዞባውን ኣህጉራውን ምትእትታው ረቛሒታት ዝደረኾ ኔሩ። ኣህጉራዊ ዓንኬላትን ሓይልታትን፡ ኣብ መጀመርታ ምምቓል ኤርትራ ግደአን ብጋህዲ ኣብ ምምቕቓል ናይ ኤርትራ ዝተራእየ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ መጨረሽታ ካኣ ብፈደረሽ ምስ ኢትዮጵያ ንሃገርና ኣብ ምቝራን ዓቢ ግደ ነበረን።

ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኤርትራ ብዛዕባ ናጽነት ኣብ ሰለስተ ሽነኻት ዝተኸፋፈለ ዝነበረ፡

  1. 1.ሙሉእን ቅልጡፍን ናጽነት ኤርትራ ብሰልፊ ናጽነት ዝውከል ኮይኑ፡ ሰልፊ ራቢጣ-እስላሚያ ኣብ ምንቕስቓስ’ዚ መሪሕ ግደ ነበሮ።
  2. 2.ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር ብሰልፊ ሕብረት(ኣንድነት) ዝውከል ኮይኑ፡ ኣብዘሓ ሰዓብቱ ካብ ክርስቲያን ነበሩ። እቲ ዘሐዝን ድማ ቤተክርስቲያን ንኣመንቲ ክርስትና ብምድንጋር፡ ንኣተሓሳስባ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምልዕዓልን ሃይማኖታዊ ባህርያት ከም ዝሕዝ ገበራ። ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ እትምውሎም ዝነበረት ከተርቲ ”ሸፋቱ”፡ ኣብ ሞንጎ’ቶም ካብ እስላምን ክርስቲያንን ንረብሓ ናጽነት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዜጋታት ሽበራ ብምንዛሕ ውሽጣዊ ግጭት ብዝያዳ ከም ዝባላሕ ኮነ።
  3. 3.ናጽነት ብድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ሓደራ ብዝተፈላለየ ሰልፊታት ዝውከል ኮይኑ፡ ግዜ ሓደራ ንመን ይወሃብ ኣብ ዝብል ግን ኣፈላላይ ነበረን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመረሐቶ ደገኣዊ ተጽዒኖ መሰረት ዝገበረ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1952 ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝኣስር ብቁጽሪ 390/A/V/ዝፍለጥ ውሳኔ ኣመሓላለፈት። እዚ ውሳኔ’ዚ ኤርትራዊ ሕርያ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ኣንድነታውያን ግን፡ ናብ ረብሓኦም ኣውዓሉዎ። ስለዝኾነ፡ ኣብ መድረኽ ርእስ ውሳኔ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መብዛሕትኡ እስላም ናጽነት ዝጠልብን፡ መብዛሕትኡ ክርስቲያን ምጽንባር ምስ ኢትዮጵያ ዝጠልብን ተኸፋፈለ።

እዚ መድረኽ’ዚ፡ ንኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ብዙሕነትን ዝተፈላለየ ምሕዝነትን ቐጻሊ ዘተታትን፡ ሃገሮም ናይ ምምሕዳር ተኽእሎ ዝሃበ ርሱን ፖለቲካዊ ልምምድ ነበረ። ኣብዚ ልምምድ’ዚ፡ ብስንኪ ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ናጽነት ረጊጽካ፡ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ዝነቐለ፡ ሓያል ኣህጉራዊ ውዲታት፡ ናይ ሰልፊ ራቢጣ-እስላሚያ ርእይቶ ከም’ቲ ዝድለ እንተዘየድመዐ፡ ሃገራዊ ንቕሓት ክብ ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ነበሮ። ኣብዚ፡ ድሕሪ ግዜ ምሕላፍ ኮይኑ ዳኣ’ምበር፡ ካብ መራሕቲ ኣንድነትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጉጉይ መርገጺታቶም ዘስተውዓሉ ምንባሮም ምጥቓስ ይካኣል’ዩ።

ለ/ መድረኽ ሰላማዊ ቃልሲ፡-

ፈደረሽን ናይ ሰልፊ ራቢጣ-እስላሚያን ሰልፊ ናጽነትን ሕርያ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኩሎም ብዝወሓደ ክሳራ ብማለት ከም ማእከላይ ፍታሕ ዝተቐበልዎ’ዩ ኔሩ። ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝትግበር ፈደረሽን ብመጠኑ ዝተፈልየ መዐቀኒታት ይነብሮ ይኸውን ዝብል ግምት ነበሮም። እንተኾነ ግን፡ ኢትዮጵያን ኣውሓስቲ ሃገራትን ጠሊሞምዎም። ኢትዮጵያ ኣብ መንግስታዊ ስራሓት ንእስላም ብምህማሽን ምግላልን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትምህርታዊ፣ ወቅፋዊ፣ ፍርዳውን ትካላት ጣልቃ ብምእታውን፡ ቋንቋታት ዓረበኛን ትግርኛን ብምልጋስን፡ ግህሰታትን ምውትዋትን ጀመረት። እዚ ክስተታት’ዚ፡ ንእስላምን ዓበይቲ መራሕትን ናይ ምዕዶን ጥርዓናትን መልእኽቲታት ንምጽሓፍ ክድርኾም እንከሎ፡ ንመንእሰያትን ተማሃሮምን ሙሁራትን ድማ ሰላማዊ ሰልፊታትን ኣድማታትን ምግባር ደረኾም። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተለዓዓለ። ነዚ ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ዓቕሚታት’ዚ ብምስጥር ምውዳብን፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣንጻር ኢትዮጵያዊ መንግዛእቲ በ’ድማዕነት ምቕናዕን ዝዓለመ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ(ሓራካ - ማሕበር ሽወዓተ) ኣብ 1958 ተመስረተት። ብርክት ዝበሉ ሰላማዊ ሰልፊታት ኣብ ምምዳብ ይኹን ኣብ ምምራሕ ዓቢ ግደ ተጻወተት። ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታት ኤርትራ መንፈስ ተቓውሞ ድማ ሰፈነ።

ሐ/ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ፦

ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ንመሰላት ህዝቢ ኤርትራ ብጭካነ ኣብ ምግሃስ ብምቕጻልን፡ ብዓለም ደረጃ ዕጥቃዊ ሃገራዊ ሓርነታዊ ሰውራታት ገኒኑ ብምንባሩን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1961 ነቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝተኸተለቶ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝሰግር፡ ብመርሕነት ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምእዋጅ፡ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ከም ዝሓሽ ኣገባባ ቃልሲ ኮይኑ። ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ኣብ እዋን መሰል ርእሰ ውሳኔ ኣብ ሞንጎ እስላምን ክርስቲያንን ንዝተፈጥረ ምትፍናን ብምስጋር ዝያዳ ኣድማዒ ዝኾነ ሃገራዊ ዕዮ ዘብርኽ ጥጡሕ ባይታ መድመደት። እንተኾነ ግና፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሃገራዊ መደብ ዕዮ እንተ ነበራን፡ ሃይማኖታውን ጂኦግራፍያውን ፍልልያት ብዘየገድስ ንመላእ ኤርትራውያን ምሕዋስ ዓብይ ድልየት’ውን እንተ ነበራን፡ ኣብ መጀመርታ መድረኻታ ኣብ እስላም ዝተሓጸረት ኮነት።

ጸጋማዊ፣ ሃይማኖታዊ ጉጅላውነት፣ ቀቢላዊ ጉጅላውነት፣ ውልቃዊ ጥቅሚታትን፡ ብግዳማዊ ሓይሊ ምሕያልን፡ ኣተሓሳስባ ብቐጻሊ ላዕለዋይ ኢድ ስለዝሓዘ፡ ቃፍላታት ስዉኣትን ውጉኣትን፡ ምጽናት ገጠራትን ዓዲታትን፡ ጅምላዊ ስደትን ብምኽፋልን፡ ናብ ሕድሕድ ኵናት ዘበጸሐ ውሽጣዊ ግርጭታት ብምኽሳትን፡ ዋጋ ናጽነት እዝዩ ረዚን ኮነ። ምስዚ ኩሉ ግን፡ ጽንዓትን ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ክምህ ኣይበለን። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን፡ ድሕሪ ሳላሳ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልስን ብግንቦት 1993 ሃገራዊ መንነቱን ሙሉእ ናጽነቱን ኣረጋገጸ።

 

መ/ እስልማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞ፦

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ 1979 እስላማዊ ምንቅስቓስ ብትካልዊ መልክዕ ምምስራት፡ ሃንደበታውን ናጢባን ኣይነበረን። እስላም ኣብ ኤርትራ በቶም ቀዳሞት ስደተኛታት ኣዕሩኽ ነብዪ መሓመድ (ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብሰላማዊ መገዲ ናብ ኤርትራ ኣንጊሁ ብምእታውን፡ ብቀጻሊ ርኽክብ ሓባራዊ ረብሓ ዘዕዝዝ ታሪኻዊ ምትእስሳር ኤርትራ ምስ ዓረባዊት ደሴት ብምጽናሑን፡ እስላም ኣብ ኤርትራ ከም ናይ ብዙሓት ቅኑዕ እምነት ብምዃኑን፡ ዳርጋ ምስ ናይ ሎሚ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝመሳሰል ተረዶኦታት እትስከም፡ ኣብ ኣርባዓታት ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሰልፊ ራቢጣ-እስላሚያ ምምስራት ዘስደምም ኣይነበሮን። ስለዚኾነ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ገስጋስ ሃገራዊ ርእይቶኡን ሃገራዊ ሓድነት ምዕዛዝን፡ ምስ ዓለማዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ከም እኒ ምንቅስቓስ ኣሕዋት እስላም ኣብ ምስሪን፡ እስላማዊ ምትእስሳር ኣብ ፓኪስታንን ቐጻሊ ጽቡቕ ዝምድና ጸኒሕዎ። ሰልፊ ራቢጥ-እስላሚያ ሰልፋዊ ህላዌኡ ድሕሪ ምብቃዑ’ውን እንተኾነ፡ እኳ ዳኣ እስላማውን ሃገራውን ግደኡ ህያው ብምንባሩ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ይኹን ቅድምኡን ከምኡ’ውን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ኣባላቱን መርሓኡ ዝተኸተለ ወለዶን ኣብ ሕምብርቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዓውዲ ኤርትራ ነበሩ። ዘመናዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ናይ ሓራ ርእይቶ መሰል ምግላጽ ዕድል ምስ ተዓጸዎን፡ ገለ ውድባት ካኣ ንሃገራዊ መቆምያታትን እምነታትን ብምድፋርን፡ ከም ናጻ ውደባ ክቅልቀል ዝጸዓረ።እዚ ምንቕስቓስ’ዚ ናይ’ቲ ዝጠቕሰ ተግባራት ተጻይ መልሲ ግን ኣYኰነን። ቀዳማይ ኣዋጅ ውድብ ሩዋድ ኣል-ሙስልሚን (ውድብ መሪሕ እስላም) ኣብ ሃገራውን ሰነ ሓሳባውን ጉዳይት ጥዑይ ፖሊሲኡ ብዘየሻሙ መንገዲ ኣነጺሩ ኣቐምጥዎ’ዩ። ናይ’ዚ ኣዋጅ’ዚ ግደ፡ ኣብ ሃገራዊ ስኒት ምርግጋጽ፣ ምዕሩይ ሽርክነት ምፍጣር፣ ብዙሕነት ሕብረተ ስብና ምኽባርን፡ ፍልልያት ምጽዋርን፡ ጌና ህያው ኣሎ። እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ጉዕዙ ተጋድሎኡ ምስ በበይኑ መደረኻት ብምትጽጻፍን፡ በብ ጊዜኡ ኣብ ጉባኤታቱ እትፈላለየ ገለጽቲ ስያሜታት (እስላማዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ውድብ ሩዋድ ኣል-ሙስልሚን፣ ምንቅስቓስ እስላማዊ ጅሃድ፣ ምንቅስቓስ እስላማዊ መድሕንን፡ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ማዕርነትን) ብምሓዝን፡ ኣገደስቲ ፖለቲካውን ውድባዊ ምዕባለታት እናኣረጋገጸ መጺኡ’ዩ።

 

ሳልሳይ፦ ሃገራዊ መንግስትን ስርዓት ህግደፍን

መላእ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝተሳተፈሉን ብኢድ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተረጋገጽን ሃገራዊ ናጽነት ምንጪ ኩርዓትን ሓበንን ኩሉ ኤርትራ ኮይኑ ዝነብር’ዩ። የግዳስ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈናን፡ ፍትሕን ማዕርነትን እትረጋግጽን፡ መሰላት ዜጋታት እትኸብርን፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ብስንኪ ዘይምህላው፡ ናይ ናጻ ሃገር ቀንዲ ዕላማ ዝኾኑ ሓርነታት ስለዝተጓደለ፡ ናይ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ታሕጓስን ተስፋን ኣይመለአን።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጽባሕ ምሕራር ኤርትራ ብምኽኑይነት ጊዜያዊ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ሓጽር ጊዜ ንደሓር ግን፡ ቅዋማዊ ወይ ምኽኑይ ደገፍ የብሉን። ትካላዊ መንግስቲ ንምህናጽ ዝኣተዎ መብጻዓኡ’ውን ኡሙን ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ናይ ሓደ ሰብኣይ ዲክታቶርያውን ወገናውን ትምክሕታውን ስርዓት’ዚ፡ ንሃገር ብጸጥታዊ ኣእምሮን ጸረ ሃገራውን ሰብኣውን ሃውሪ ፖሊሲን’ዩ ዝመርሕ ዘሎ። ብስለትን ትካላዊ ሓባራዊ ኣእምሮን የብሉን። እዚ ስርዓት’ዚ ካብ ረቛሒታት ሓያልነቱ ብዙሕ ስለ ዝሰኣነን፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝጀሃረሉ ዝነበረ መክሰባት ብዙሕ ስለዝጎደለን ኣዝዩ ዝተዳኸመ’ዩ። ብውሽጥን ደገን ዕርቃኑ ወጺኡ’ዩ። ታርታ ኤርትራ ብመቀየሲ ልምዓት ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣብ ጭራ ክኸውን እንከሎ፡ ብግህስታት ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ይርክብ። ድኽነት’ውን ብዘስግእ ይዛይድ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዚ ዞባ’ዚ፡ ብስንኪ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ክብደቱን ክእለቱን ኣብ ጸብጻብ ከየእተወ ብዝኸዶ ኣነዋሪ ኣካይዳኡ፡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ክንጽል ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ብኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ምብትታንን፡ ሕንፍሽፍሽን ዝግደስ’ውን ኣይኮነን። ስልጣኑ ንምውሓስ ዝካኣሎ ኣዕናዊ ተግባራት ካብ ምውሳድ ዓዲ ኣይክውዕልን’ዩ። ስለ’ዚ፡ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ በብዙሓት ሓደጋታት ይህደድ ብምህላዉ፡ ሃገርና ኣብ ሕንፍሽፍሽን ምብትታንን ከይተንቁልቍል ምእንቲ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ሓይልታት ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኩሉ ርትዓዊ ኣገባባ ቃልሲ ምሕጻርን፡ ስቃይ ህዝብና ምንካይን፡ ኩነታት ብምግምጋም እዋናዊ ቀዳምነታት ኣብ ምቕማጥን፡ ኩሉ ማዕረ ህልው ብድሆ ክኸውን ይግባእ። በዚ መሰረት ድማ ሃገርና እትነብረሉ ዘላ ማሕንቖታት ዝፈትሕን፡ ቀንዲ ቀዳምነታት ዝስርዕን፡ ግብራዊ ፍታሕ ከናድዩ ይህልዎም።

ራብዓይ፦ ሃገራዊ ሓድነትን ኣንጸላልይዎ ዘሎዎ ሓደጋታትን

ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ በሊሕ መርገጻትን፡ ፖለቲካዊ ፍልልያትን’ኳ እንተ ተኸሰተ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱን ፍቕሪ ሃገሩን ኣጽኒዑ ዝሓዘ ህዝቢ’ዩ። እዚ ካኣ’ዩ ምስጢር ሓያልነቱን ጽንዓቱን ተዓዋትነቱን ዝነበረ። ብሳላኡ ካኣ’ዩ ጸረ ኩሉ መልከዓት መግዛእቲ ተጋድሎኡ ከዓሚቕን ክምዕብልን፡ ፈተነታት ከፋፍልካ ግዛእ ክፈሽልን ዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ታሪኻዊ ስርሕት ሃይማኖታውን እትኒካውን ባህላውን ፍልልያት ብዘየገድስ፡ ስሙር ህዝቢ ክኸውን ዝገበሮ ኣብ ሕድሕዱ ዝተዋሰበ ሕብረተ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣወንታዊ ሰላማዊ ሓባራዊ መንብሮ ዘጽግሞ ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ ብናጻ ፍሉይነታቱ ስሙር ሃገር ንምምስራት፡ ረቛሒታትን ድልየታትን ኣይጎድሎን ኔሩ ማለት ኣይኮነን።

ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ እስላም ንሃገራዊ ሓድነት ይከላኸሉን ይሕብሕቡን’ኳ እንተ ነበሩ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ንእስላም ስለ ዘዋሰነን ዘግለለን፡ በደላት ከም ዝበጽሖም ይስምዖም’ዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኩሉ ነገር ዝገበተ ስርዓት ህግደፍ እምነት ከጕድሉ ባህርያዊ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞም በደላት ክመዛዘን እንክከሎ፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝወርድ፡ ኣብ ልዕሊ እስላም ዘበጽሖ ከም ዝዛየድ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ነዚ ምክሓድ፡ ወይ ምንጻግ፡ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ፍታሕ ዘምጽእ’ምበኣር፡ ነዚ ከምዘሎ ብምእማን ጻዕትታትካ ብምውህሃድን፡ ናይ’ዚ ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምስጋር ሃገራዊ ረብሓ ብምቕዳምን፡ ብግብሪ ክትግበር ዝካኣል ንጹር ሃገራዊ ፕሮግራም ብምሕንጻጽን’ዩ። እዚ፡ ኣብ ሰረት ፍትሕን፡ ብዙሕነት ምእማንን ምኽባርን ዘትከለ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ይሕግዝ’ዩ። ህላወ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ዘተኵረ’ዩ። ሃይማኖታውን ቋንቋውን እትኒካውን ብዙሕነት ምህላው፡ ንሃገራዊ ሓድነት ዝጻረርን፡ ምዕብልቲ ሓዳስ ሃገር ምምስራት ዝዕንቅፍን ዘይኮነስ፡ እኳ ዳኣ፡ ብልክዕ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ንሃገራዊ ሓድነት ዘሕይልን ዘህብትምን’ዩ።

ሓሙሻይ፦ ሓያልን ድኹምን ጎኒታት ኤርትራዊ ተቓውሞ

ሀ/ ሕሉፍን ህልውን፦

መድረኽ ርእሰ ውሳኔ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዕዮ ተቓውሞ ብኩሉ ሕልኽልኻቱን ፍልልያቱን፡ ብዝሐ ፖለቲካዊ ሰልፍታቱን ስነ ሓሳብን፡ ኣዝዩ ሃብታም ተሞኩሮ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝበረኸ ምንባሩ ዘመስክር’ውን’ዩ። እዚ ተሞኩሮ’ዚ፡ በቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብምብቃዐን ዝተኸስተ ምቁሪራጽን፡ ምንዋሕ ጊዜን ዝፈልየንና’ኳ እንተኾነ፡ ብገለ ከም ዝተረሰዐ ታሪኽ’ውን እንተቆጽረ፡ ካብ ኣወንታኡን ኣሉታኡን እንመሃረሉ፡ ንህልው ወልዶታት ኣብ ምስጉን ፍልልያቱን ኣወንታዊ ብዙሕነትን ሃገራዊ ምሕዝነታትን ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ጸጋ’ዩ።

ኤርትራዊ ተቓውሞ ብዝቆመሉ ኩነታትን፡ መብዛሕትኡ መቐጻልታ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ገልኡ ብረቱ ዘየውረደ ምዃንን፡ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ተመዝግብካ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ዕዮ ንምክያድ ሕጋዊ ዕድል ብምስኣንን፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ተቓውሞ ይፍለ’ዩ።

ለ/ ሓያል ጎኒ ኤርትራዊ ተቓውሞ

  1. 1)ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምእማንን፡ ልዑላውነት ሃገር ምክልኻልን፡ ናጽነት ምዕኣቋብን።
  2. 2)ብክለሰ ሓሳብን ግብርን ፍልልያቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ምፍታሕ ብምእማንን፡ ውጽኢት ዘተ ኣብ ምቕባል ብመጠኑ ፍልልይ’ኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብ ሞንጎኦም ካዕባዊ፡ ወይ ሓባራዊ ዘተታት ብቕጻሊ ምክያድ።
  3. 3)ናይ ኩሎም ሸነኻት ግደታት ምኽባርን ኣብ ኣሰራርሓኦም ክህልዎም ዝኽእል ዕግበታትን ብዘየገድስ፡ ካብ ቀዳማይ ሃገራዊ ምሕዝነት ጅምርካ፣ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፣ ክሳብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብመንገዲ ኣካቢ ጽላላት ኣብ ዝተሓተ ፕሮግራም ምስምማዕ።
  4. 4)ብመሰረት ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቭላዊ ማሕበራትን ብሓባር ምዕያይ። ከምኡ’ውን ምስረታ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ዝሰፈሐ ፖለቲካዊ ስርሕትዩ ዝቝጸር።
  5. 5)ኣብ ሞንጎ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘሎወን ፖለቲካዊ ውድባት ንስፍሓት ፍልልያት ዘጻብብ ምቅርራብን ምውህሃድን ሓድነትን ምግባር።
  6. 6)ኤርትራዊ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብዘሎዎ ቅኑዕ ገምጋምን፡ ኣብ ክውንነት ዝተመርኵሰ እዋናዊ ጭርሖኡን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ህዝብና ንምዕጋብ ዘይናዓቕ ዓወታት ኣመዝጊቡ’ዩ።
  7. 7)ንጥፈታት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝዕንቅፍ ብገለ ሃገራት ዝጋጥሞ ጸገማትን፡ ደገፍ ምቍራጽን ምምካት።
  8. 8)ኣብ እትፈላለየ ዓውዲታት ንስርዓት ህግደፍ ብምቕላዕ፡ ብዛዕባ ተደላይነት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ንኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ከዐግብ ምኽኣል።

ሐ/ ድኹም ጎኒ ኤርትራዊ ተቓውሞ

  1. 1)ብስንኪ ኣቋቍማ ኤርትራዊ ተቓውሞ ክብደት ህላዌኡ ኣብ ወጻኢ ብምዃን ካብ ብህርያዊ ሕቝፎኡ ምርሓቕ።
  2. 2)ብምጭርራምን ምርባሕን መብዛሕቱ ሓይልታት ተቓውሞ ውድባውን ትካላውን ምርግጋእ ምስኣን።
  3. 3)ገልኡ ናይ ሓፋሽ ፖለቲካውን ነገራውን ደገፍ ዘይምርካብ።
  4. 4)ገለ መራሕቲ ብዋጋ ህንጸት ውድብን፡ ሓያልነት ፖለቲካዊ መርገጽን፡ ኣብ ስልጣን ምድራቅ።
  5. 5)ጸረ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘቕነዐ ኣገባብ ቃልሲ ምፍልላይ። ገሊኡ ጸረ ገዛኢ ስርዓት ርትዓውነት ብረት ምጥቃም ክርእይ እንከሎ ገሊኡ ድማ ብረት ምጥቃም ይቃወም።
  6. 6)ህዝቢ ኣብ ጎኖም ጠጠው ዝብልን ኣህጉራዊ ሓፈሻዊ ርእይቶ ዝግደሰሎምን ካሪዝማውያን መራሕቲ ዘይምህላው።
  7. 7)ካብ መንግስታት ይኹን ካብ ኣህጉራዊ ውድባት፡ ስትራተጂካዊ ማሓዛ ክረክብ ዘይምኽኣል።

ካልእይ ምዕራፍ፦ መበገሲታትን ዕላማታትን ኣገባባት ቃልስን እስላማዊ ሰልፊ

 

ቀዳማይ፦ ሌላ

እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ፡ ሃገራውን ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ዘበርኽ፣ ክብሪ ዕዮን ፍሪያትን ዘኸብር፣ ስኒትን ምዕሩይነትን ዘሰፍንን ሃገራዊ ፕሮግራም ብምሓዝ፡ ዲሞክራሲ፣ ሓርነታት፣ ማዕርነት፣ ፍትሕን፡ ሃይማኖታዊ ክብርን ዝነግሳ ሓያል ስምርቲ ሃገረ ኤርትራ ንምህናጽ ብንጥፈት ዝቃለስ ሃገራዊ እስላማዊ ሰልፊ’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብፍቱሕነት ብምቕራብ፡ ንፕሮግራሙ ዝተቐበሉ ሃገራውያን እናወደበ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሂወት ኣብ ምምዕባል ኣጃሙ ዘበርክት’ዩ።

ካልኣይ፦ መበገሲታትን መትከላትን፦

መትከላትን መቆሚያታትን ኣስላማዊ ሰልፊ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1.እስላማዊ ማእከላይ ኣረኣእያ (ዘይጥሩፍነት) ምኽታል።
  2. 2.ላዕለዋይ ረብሓ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምቕዳም።
  3. 3.ኣወንታዊ ስሩጽ ማሕበራዊ ልምድታትን ያታታትን ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር።
  4. 4.ምስ ክብርን ረብሓታትን ህዝብና ዘየገራጮ ኣህጉራዊ ቻርተራትን ስምምዓትን ምቕባል።
  5. 5.ሃይማኖትን ሕብርን ዘርእን ሃብትን ስልጣንን ብዘየገድስ፡ መሰል ወዲ ሰብ ምኽባር። (وَلَقَدْ كَرَّمْنَا بَنِي آدَمَ وَحَمَلْنَاهُمْ فِي الْبَرِّ وَالْبَحْرِ وَرَزَقْنَاهُمْ مِنَ الطَّيِّبَاتِ وَفَضَّلْنَاهُمْ عَلَى كَثِيرٍ مِمَّنْ خَلَقْنَا تَفْضِيلًا) الإسراء:70
  6. 6.ሃይማኖትን ሕብርን ዘርእን ሃብትን ብዘየገድስ፡ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ መሰል ካልኦት ክሳብ ዘይተጻበኤ፡ እስላማዊ ሰልፊ ንሓፈሻውን ውልቃውን ሓርነታት የኸብር።
  7. 7.ምርግጋእን ሰላምን ዘስፍን፡ ፍትሕን ማዕርነትን ምርግጋጽ።
  8. 8.ምዕዛዝ ሃገራዊ ሓድነት ።
  9. 9.ዜግነት መሰረት ዝምድና መንግስትን ወልቀ ሰብን’ዩ። ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ብመሰረት ሃይማኖትን ዘርእን ካልእ ጉዳያትን ዝግበር ኣድልዎ ምውጋድ። ኩሎም ዜጋታት ኣብ መሰላትን ጉቡኣትን ማዕረ’ዮም።
  10. 10.መትከል ሽርክነትን ሰላማዊ ምቅብባል ስልጣንን ንምርግጋጽ፡ ዲሞክራሲ ዝበለጸ ኣገባብ’ዩ።
  11. 11.ህዝቢ ኤርትራ ንሃይማኖታቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝተቐበለን፣ ሃይማኖት መበገሲ ስልጣኔን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ዝሙርከሰሉን ስለዝኾነን፡ ፍልፍል ባህሉን ሰነ ምግባሩን ረቛሒታት ምርግጋኡን’ውን ብምዃኑ፤ ክብርታት ሃይማኖት ምኽባር።

ሳልሳይ፦ ዕላማታት ሰልፊ፦

ሰልፊ፡ ነዚ ዝስዕብ ዕላማታት ንምርግጋጽ ይቃለስ፦

  1. 1.ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ እስላማዊ ክብሪ ንምስራጽ ምዕያይ።
  2. 2.ካብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኩውንነትን ጂኦግራፍያዊ ከባቢኡን ስልጣኔኡን ዝፍልፍል ኤርትራዊ ሃገርነት ምሕያል።
  3. 3.ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞም በደላት ምፍዋስ።
  4. 4.ግዝኣተ ሕግን ትካላትን እተውሕስ ሃገር ንምህናጽ ምዕያይ።
  5. 5.ሃገራዊ ናጽነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ምዕቃብ። ሰላምን ምርግጋእን ምርግጋጽ።
  6. 6.ዲሞክራስያዊ ሕርያ ብምዕዛዝ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ህዝባዊ ሱታፌ ምዕባይ።
  7. 7.ሓፈሻውን ውልቃውን ሓርነታት ምእማን። ፍሉይነታት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር።
  8. 8.መሰል ሓርነት እምነትን፡ ርእይቶ ምግላጽን፡ መሰል ዋኒንን፡ ዜናዊ መሳርሕታት ምውናንን፡ ብዘይዝኾነ ፍርሒ ሓሳባትን ሓበሬታታትን ናይ ምምሕልላፍ መሰላት ምኽባር።
  9. 9.ኣብ ሞንጎ ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ትካላትን፡ ዘተታትን መንፈስ ምድግጋፍን ምርድዳእን ንምንጋስ ምዕያይ።
  10. 10.ቋንቋታት ትግርኛን ዓረበኛን ወግዓውን ሃገራውን ቋንቋታት’የን።
  11. 11.ኣብ ቁጠባውን ፍልጠታውን መዳያት፡ ሕብረተሰብና ናብ ደረጃ ርእስ ኣእኽሎ ንምብጻሕ ምጽዓት።
  12. 12.መሰሉን ጉቡኡን ዝፈልጥ ጥዑይ ዜጋ ምህናጽ።
  13. 13.ልዑላውነትን ሰላምን ምርግጋእን ዝጎድእ ጽግዕተኛነት ብምውጋድ፡ ብስነሓሳብን ግብርን ስነ ምግባርን ክብሪ ሃገራውነት ምዕዛዝ።
  14. 14.ምስ ኩለን ሃገራት ብሓፈሻ፡ ምስ ጎረባባቲ ሃገራት ድማ ብፍላይ ሕድሕድ ምክብባር መሰረት ኣብ ዝገበረ ጥዑይ ዝምድና ምህናጽ። ዝምድናታተንን ፍትሓዊ ስምምዓተንን ዝስርዕ ሕጊታት ምኽባር።

ራባዓይ፦ ኣገባብ ቃልሲ፦

ሰልፊ፡ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝስዕብ ኣገባብ ቃልሲ ይጥቀም፦

  1. 1.ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ኣብ ምርግጋጽ ኣድማዒ ግደኡ ንምጽዋት፡ ጎስጓስን ውደባን ምክያድ።
  2. 2.ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ይኹን ኣብ ሞንጎ ውድባት ኤርትራ፡ ፍልልያት ወይ ግጭት ኣብ ምፍታሕ፡ ንዘተ ከም ስልጡን ኣገባብ መረዳደኢ ምውሳድ።
  3. 3.ኣብ ሞንጎ ፖለትካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን መንፈስ ሃገራዊ ምሕዝነት ምዕማቕ።
  4. 4.ኣብ ሞንጎ ኩሉ ጽፍሕታት መርሕነትን መሰረትን ሰልፊን፡ ህዝብን፡ ሃዋሁ ምምኽኻርን ዲሞክራስን ምንጋስ።
  5. 5.ዕላማታት ሰልፊ ንምዕዋት ዘኽእል ኩሉ ዝካኣል ርትዓዊ ኣገባብ ምጥቃም።

 

ሳልሳይ ምዕራፍ፦ መድረኽ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን መሰጋገሪ መድረኽን

 

ቀዳማይ፦ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምግጣም

ሀ/ መድረኽ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፦

ስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰላት ዝጻባእን፡ ምስ ሰማያዊ ሃይማኖታት ዝገራጨውን፡ ኣህጉራዊ ቻርተራት ዝጥሓስን’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጭካነ ዝመልኦ ጭቆናን፡ ቀንጸላን፡ ጭውያን፡ ምስዋርን፡ ካልእ ወጽዓታትን ይፍጽም’ዩ። ንቅዋማዊ መሰል ህዝብና ምክልኻል ኩሉ ዝካኣል ርትዓዊ ኣገባብ ምጥቃም መሰልና’ዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ናይ ሰልፊ መደብዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1)ሰልፊ ምድልዳል፣ ናይ ትካላቱ ኣሰራርሓ ምምዕባልን፣ ኣብ ኩለንትናኡ ንኣመራርሓኡ ምስልጣን።
  2. 2)ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር፡ ኩሉ ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም።
  3. 3)ሓፋሽ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣድማዒ ሃገራዊ ግደኡ ንምብርካት ዘኽእሎ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ምንቕቓሕን ምክያድ።
  4. 4)ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ከከም ኩነታቱ ንሓፋሽ ህዝቢ ምንቃሕን ምውዳብን።
  5. 5)ብጉዳያት ስደተኛታት ምግዳስን፡ ኣገልግሎት ምቕራብን፡ ንምሰላቶም ምጥባቕን። ብፍላይ ድማ ሃገሮም ራሕርሖም ንጥፍኣት ዝሳጠሑ ዘሎዉ መንእሰያት።
  6. 6)ውጹዓትን ህሙሻትን ምእንቲ ንርትዓዊ መሰላቶም ክኸላኸሉ ምጥርናፎም።
  7. 7)መሰርሕታት ቃልሲ ብምስማርን፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣረእእያታት ብምቅርራብን፡ ሓባራዊ ዕዮ ብምቕጻልን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ምሕያል።
  8. 8)ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ናይ ውሽጥን ወጻኢን ሓደጋታት ንምድሓን፡ ሃገራዊ ዋዕላታት ንምዕዋት ምዕያይ።
  9. 9)ኣብ መጻኢት ኤርትራ ግዝኣተ ሕግን፡ ጥዑይ ምሕደራን፡ ምዕሩይ ሃገራዊ ልምዓትን ምርግጋእን ዘሰፍን መጽናዕቲታት ምድላው።

ለ/ መሰጋገሪ መድረኽ፦

መሰጋገሪ መድረኽ፡ ብድሕሪ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ሰዒቡ ዝመጽእ ፍሉይ መድረኽ’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ሃዋሳ 2011 ዝተሰማምዑሉ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ፕሮግራም፡ ልዑላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ንምዕቃብ ዘገልግል’ዩ።

ካልኣይ፦ ምምዕባል ኣሰራርሓ ተቓውሞ

እስላማዊ ሰልፊ፡ ናይ ተቓውሞ ኣሰራርሓ ምድማዕን ሽግራቱ ምፍታሕን ዝዓለመ ግብራዊ ሓሳባት፡ ኣብ ጉባኤታትን ኣኼባታትን ስሚናራትን ተቓውሞ ከቐርብ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ዝሓለፉ መደባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኣሰራርሓኡ ምምዕባል ዝስዕብ ሓሳባት የቐርብ፦

  1. 1)ባይታ ሕድሕድ ምትእምማን ምፍጣርን፡ ዝኾነ ስልጣን ዝሕዝ ወገን ጌጋታት ከይደግም ምግታእን። ሃይማኖታውን እትኒካውን ባህላውን ብዙሕነት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ምእማን። ከምኡ’ውን ብስንኪ ጨቋኒ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ዘይተመጣጣነ ወጽዓን፡ ኣድልዎን ምእማን።
  2. 2)ስርዓት ህግደፍ ንምልጋስ ብሓባር ምቅላስ። ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ተቓውሞ ክእለታቱ ክብ ምባልን፡ ኣብ ቀዳምነታት መሰረት ዝገበረ ጎስጓስ ምክያድን። ዝኾነ ውድብ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝተኮርነዓሉ ሓጹር በይኑ ክሰብር ከምዝኽእል ዝኣምን እንተልዩ ኮይኑ፡ ኣጉል ኣተሓሳስባ ምዃኑ ንኣምን።
  3. 3)ተቓውሞ ሓይልታት ካብ መካነክ ረዊሕን ፍልልያትን ንምውጻእ፡ ንገዛእ ርእሶም ብዘይምግናንን ምንእኣስን ብወድዓዊነት ክግምግሙ ይህልዎም። ርትዓውነቶም ኣብ ባይታ ብዝረጋግጽዎ መኽሰባትን፡ ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ብዝህልዎም ንጡፍ ምውሳእን፡ ዝዕቀን ምዃኑ ምፍላጥ።
  4. 4)ብዝሐ ኣተሓሳባን ውደባን ኣገባባትን ምቕባል። ኣብ ሞንጎ ተቓውሞ ሓይልታት ካብ ዘፈላልይዎም ጉዳያት ዘቀራርብዎም ስለዝበዝሕ፡ ዝድምናኦም ኣብ ጽግዕተኛነት ወይ ኣብ ተጻብኦ ዝምስረት ዘይኮነሲ፡ ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝምስረት ክኸውን ኣሎዎ።
  5. 5)ብናይ ውድባትን ሃገራዊ ባእታታትን ስቭል ማሕበራትን፡ ምስ ሃገራት ልሉይ ዝምድና ብዘሎዎምን ምውህሃድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ከበባ ንምእታው ምዕያይ። ከምኡ’ውን ንኣገዳስነት ተቃውሞ ሓይልታት ኤርትራ ከም ዲሞክራስያዊ መተካእታ ብምቅላሕ ካብ ሃገራት ዓረባዊ ቀውዒ ምጥቃም።

ሳልሳይ፦ ጉዳይ ስደተኛታትን ማሕበረ ኮማትን

ሀ/ ሰደተኛታት ኤርትራውያን

ሃገራዊ ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ክቕጻል ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። እንተኾነ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ንዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ዝዓይን፡ ኣብ ሃገሮም ጥዑይ መነባብሮ ዝረኽቡሉ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ክንዲ ዝፈጥረሎምን፡ ናብ ሃገሮም ንከይምለሱ ዕንቅፋታት እናኣቐመጠ ስቅያቶም ከም ዝዛይድ ክገብር ጸኒሑ። እዚ ከይኣክል፡ ንኩሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ብምጭቋን፡ ዜጋታት ሰላም ዘሎዎ ቦታ ከናድዮ ይግደዱ ኣሎዉ። ብፍላይ ድማ መንኣሰያት ብዘስግእ ኩነታት ናብ ስደት ይውሕዙ ኣሎዉ። ብዝምልከቶም ኣህጉራዊ ማሕበራት ዘድሊ ሓገዛት ብዘይምርካቦም ፡ ግዳያት ነጋዶ ደቂ ሰብ ይኾኑ ኣሎዉ። እዚ ናይ ሕጂ ስደት፡ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ኣፍራይ ሓይሊ ዘተኵረን ብብዙሕ ሓደጋታት ዝተሳጠሐን ምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን እዚ ዝስዕብ ይርእይ፦.

ጎረባብቲ ሃገራትን ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ውድባትን ብጉዳይ ስደተኛታት ሓገዛተን ክብ ከብላ ምጽዓት።

  1. 1)ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ውድባት ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣድላይ ሓገዛት ከቅርባሎም ንምዕጋብ ምዕያይ።
  2. 2)ኣብ ኣህጉራዊ ዓውድታት፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኣቃልቦን ፍታሓትን ንምርካብ ምጽዓር።
  3. 3)ናይ ሰደተኛታት ሃይማኖታዊ እምነትን ዘርኣዊ መበቆልን ዝርከቡሉ ቦታን ብዘየገድስ፡ ንዝምልከተን ወገናት ንምዕጋብ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ስሙር መርገጺ ምሓዝ።
  4. 4)ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሞንጎ ስደተኛታት ራዕድን ሽበራን ንምዛሕ ዘካይዶም ጭውያን ቅትለትን ምቅላዕ።
  5. 5)ተርእዮ ንግዲ ሰብን ኣብኡ ዝነጥፉ ባእታታትን ምቅላዕ።
  6. 6)ስደተኛታት መሰሎም ንኪፈልጡ ምንቅቓሕ።
  7. 7)መጻኢ ዕድል መንእሰያትን ሃገርን ንምዕቃብ፡ ዕድላት ትምህርትን ዕዮን ንምርካብ ምጽዓት።
  8. 8)ዘድልዮም ኣድላነታት ዘውሕስ መሰል ወለንታዊ ምምላስ ምእማን።
  9. 9)ገለ ኣህጉራዊ ውድባት ዘቕርብዎ ፖሊሲ ምጽንባርን ምሕቃቕን ስደተኛታት ዘይምቅባል።

ለ/ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮማት፡

ብስንኪ ጉጉይ ፖሊሲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ንምንባር ኩነታት ኣገዲዱ ይርከብ። ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ እንተሃለወ ፍቕሪ ሃገር ስለዘሎዎ መሰረታዊ ደጋፊ ሃገራዊ ጉዳዩ’ዩ። ብዝያዳ ምስ ሃገሩ ንምትእስሳር ዝስዕብ ስጉምቲታት ምውሳድ፦

  1. 1)ኣብ ስደት(ድያስፖራ) ዝርከባ ማሕበረ-ኮማትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕን ምንጻልን ኣድማዒ ግደ ክህልወን ምግባር።
  2. 2)ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ክሳተፋ ዝድርኽ ጥጡሕ ዕድል ምድላው። ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ጽላላት፡ ሓቀኛ ውክልና ክህልወንን፡ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤታት ዝውክሉዎም ብዲሞክራስያውን ናጻን ኣገባብ ወከልተን ኪመርጻን ምግባር።
  3. 3)ወለዶታት ብታሪኽን ባህልን ምስ ሃገሮም ንምትእስሳር፡ ክበባትን ኣብያተ ትምህርትን፡ ባህላዊ ማእከላትን ንምስፋሕ ምትብባዕ።
  4. 4)ኣብ ዘዘለዋኦ ሃገራት ዝምድና ተቓውሞ ሓይልታት ምስ ሃገራት ንምድልዳልን፡ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ተቓውሞ ብገንዘብን ዜናን ምድጋፍ። ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ንስርዓት ህግደፍን ኢምባሲታቱን ኣብ ከበባ ምእታው፡ ዓቕሚታተን ኣብ ረብሓ ሓባራዊ ቃልሲ ምውዓል።

ራባዓይ ምዕራፍ፦ ሰረታት ሃገረ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ዝካኣሎ ኩለ ሜዳያዊ መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብ ህላወ ዝተቀልቐለት ሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ መርሓ ምህናጽ ሓዳስ ሃገር ካብ ጽዑቕ ዓለማዊ ምዕባለታት ክትጥቀም ይህልዋ። ኣብ’ዚ ሃገራዊ ትካላት ንምህናጽ ካብ ዝምልከት ገለ ኣንፈት ከም ዝስዕብ ነቀምጥ፦

ቀዳማይ፦ ሃገረ ቅዋምን ሕግን፦

ኤርትራ ካብ ጊዜ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ብዘይ ቅዋም ብምህላዋ፡ ነጥበ-መወከሲ ዝምድና መንግስትን ህዝብን ቦዅሩ ኣሎ። እዚ ድማ ዘይንቡር ኩነታት’ዩ። ኤርትራ ውልዶ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ጉዳያታ ዝሰርዕን፡ ሃይማኖታውን እትኒካውን ባህላውን ብዙሕነት ኤርትራ ዝሕላውን፡ ምህናጽ ሓዳስ ሃገር ዝሕግዝ ኩሉ ዓቕሚታት ዘማልእ ሃገራዊ ቅዋም ክህልዋ ይግባእ። ቅዋም ኣብ ማሕበረ መከወኒታት ሕብረተ ሰብንሞንጎ መንግስትን ኤርትራ ዝግበር ቃል ኪዳን ስለዝኾነ፡ ዝስዕብ ዘጠቃልል ክኸውን ኣሎዎ፦

  1. 1.ከመይነት ኣወዳድባ ሃገርን ኣገባብ ኣሰራርሓ ትካላታን ምንጻር።
  2. 2.ስቭላዊነት ሃገረ ኤርትራን ምንጋስ ዲሞክራስያዊ መርሓን ክጠቅስ ኣሎዎ።
  3. 3.መንንት ኤርትራ ምስ ኩውንነታን ታሪኻን ከባብኣን ብዝጠዓዓም መንገዲ ምንጻር።
  4. 4.ሓፈሻውን ወልቃውን ሓርነታት ዘኸብርን፡ ኣብ ሞንጎ ባእታታት ሕብረተ ሰብ ማዕርነትን ፍትሕን ዘውሕስ ክኸውን ኣሎዎ።
  5. 5.ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ንሓርነታ ዜጋታት ከይገሃስ ዝኽልክል ክኸውን ኣሎዎ።
  6. 6.ዜግነት መሰረት መሰላትን ጉቡኣትን ምዃኑን፡ ኩሉም ደቂ ሃገር ብዘይኣፈላላይ መዕረ ምዃኖምን፡ ዜጋታት ብመሰረት ብቕዓቶም ኣብ ምምሕዳር ሃገሮም ኪሳተፉ መሰሎም ምዃንን ዝጠቅስ ክኽውን ኣሎዎ።
  7. 7.ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ኣገልገልቲ ህዝብን ንተሓታትነት ዝግዝኡን ምዃኖም ብግልጺ ስርዓተ ተሓታትነት ምንጻር።
  8. 8.ፓርላማናዊ ስርዓትን ቅዋማዊ ዘይምእኩልነትን ምቅባል።
  9. 9.ኣወዳድባ ንጥፈታት መንግስቲ ዝሰርዑ ኩሎ ሕጊታት፡ ምስ መንፈስ ቅዋም ክጠዕዓም ምግባር። ምኽንያቱ ቅዋም ዝለዓለ ሕጊ ሃገር ስለዝኾነ።
  10. 10. ንሕጊታት ካብ ናይ ሰበ ስልጣናት ምጥላዕ ንምክልኻል ምንእቲ፡ ምምሕያሽ ቅዋም ከድሊ እንከሎ ብህዝባዊ ድልየት ከም ዝኸውን ምእማን።
  11. 11. ቅዋምነት ሕጊታት (ሕጊታት ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮስ ምዃኑ) ዝቆጻጸር ላዕለዋይ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ምቋም።

ካልኣይ፦ ዓንዲ ምዕሩይ ልምዓት

ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጠቕሶ፡ ልምዓት ኣህጉራዊ መሰል ምዃኑ’ዩ። ሓደ ካብ ዕላማታት 3 ሚሊንየም’ውን ኮይኑ’ዩ። ኤርትራ ከም ወልዶ ሃገር መጠን፡ ኣብ ሞንጎ ጥሙሕን ዓቕሚን ጽፈትን ዘጠዓዓም ናብ ኩሉ ከባቢታትን ትካላትን ዝሽፍን ውጥን የድልያ። ምዕሩይነትን ፍትሕን ንምርግጋጽ ዝስዕብ መደብ ነቐርብ፦

  1. 1.ሓቀኛ ርእሰ-ማል ሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንልምዓት ሰብኣዊ ዓቕሚ ትዅረት ምሃብ።
  2. 2.ዕዮን ፍሪያትን ኣገልግሎትን ፍልጠትን ንምምዕባል ዝሕግዝ ትሕተ ቅርጻ ምዝርጋሕ።
  3. 3.ሃገራዊ ሃብቲ ናይ ኩሉ ወለዶታት ሓባራዊ ንብረት ከም ምዃኑ መጠን ጥዑይ ኣጠቃቕማ ምዝውታር።
  4. 4.ፍትሒ ንምርግጋጽን ድኹማት ኣካልት ንምሕጋዝን፡ መንግስቲ ንጡፍ ተራ ክህልዎ ምግባር።
  5. 5.ኣዝዮም ዝደሓሩን ዝተጎድኡን ከባቢታት ኣብ ልምዓት ቀዳምነት ምሃብ።
  6. 6.ሃገራዊ ልምዓት ንምብራኽ፡ ዘበናዊ ተክኔሎጂ ምትእትታው።
  7. 7.ፈላጣትን ሊቃውንትን ምትብባዕ፣ ናይ ምህዞ ዓቕምታት ዘለዎም ደቂ ሃገር ከኣ ብልጣታት ምሃብ።

ሳልሳይ፦ ፖለቲካዊ ስርሕት፦

ዝተማለአን ምዕሩይን ዕላማታት ልምዓት ንምርግጋጽ፡ ኤርትራዊ ህልው ፖለቲካ ምዕራይ ከም ቀንዲ ሙርኩስ ክውሰድ ኣሎዎ። ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርን ህዝብን ሰላምን ምስፋንን፡ ዕብየት ምብራኽን፡ ዲሞክራስያዊ ሕርያ ምዕዛዝ መሰረታዊ ጉዳይ‘ዩ። ሰልፊ፡ ፖለቲካዊ ስርሕት ዝስዕ ክኸውን ይርእይ፦

  1. 1.ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶም ኩሉ ዓይነት በደላት ብምውጋድ ምዝባዓት ምስትኽኻልን፡ ምዕቡልን ፍትሓውን ፖለቲካዊ ስርዓት ንምህናጽ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር።
  2. 2.ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ምልቃቕን ፍትሓዊ ካሕሳ ክወሃቡ ምግባርን፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ምባልን፡ ኣብ ሞንጎ መከወኒታት ሕብረተ ሰብ ሃገራዊ ዕርቂ ምርግጋጽን።
  3. 3.ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ሓባራዊ ረቛሒ ኣብ ዝኸውን ሰረት ፖለቲካዊ ስርዓት ምስምማዕን፡ ዲሞክራስያዊ መከላት ምስራጽን።
  4. 4.ሰላማዊ ምብሪርይ ስልጣን ምእማን። ደያኑን፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፡ ዘበታውን ኣህጉራውን ስቭል ማሕበራትን፡ ብተዓዛብነት ኣብ ዚሳተፍዎ ሓራን ዲሞክራስያውን መረጻ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ መራሕቱ ምምራጽ።
  5. 5.ፖለቲካውን ሰነ ሓሳባውን ብዙሕነት ምእማን። መንግስቲ ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ንቃባትን ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ዘይምእታው።
  6. 6.ዘይሻራነት ስቭላዊ ኣገልግሎንትን ሰራዊትን ምውሓስን፡ ኣብ ናይ ፖለቲካን ሰልፍታትን ግርጭታት ዘይምጥሓሎምን።
  7. 7.መንግስቲ ብሕጊ መሰረት ንዝተመዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታ ኣብ እዋን መረጻ፡ ንምርጫዊ ወፈራ ምልዕዓል ብማዕረ ምምዋልን፡ ዝተመጣጠነ ዜናዊ ጊዜ ምሃብን።
  8. 8.ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ስልጣንን ህዝብን ሕድሕድ ምትእምማን ንምፍጣር፡ ፖለቲካዊ ስልፍታት ብሰላማውን ቅሉዕን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ክንቀሳቐሳ ምፍቃድ።
  9. 9.ሽግራት ንምፍታሕ፡ ዘተ ከም መርሓ ምውሳድ። ምኽንያቱ ዘተ ከም ሃይማኖታውን ስልጣኔን ማሕበራውን ክብሪ ስለዝኾነ።
  10. 10.ኣብ ህዝቢ ደረጃ ፖለቲካዊ ንቕሓት ምዕባይን ፍልጠት ሕጊታት ክብ ምባልን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስርሕት ሱታፌ ህዝቢ ምትብባዕን፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ህዝቢ መትከላት ዲሞክራስን ምምኽኻርን ምስራጽ።

ራባዓይ፦ ቁጠባዊ ፖሊሲን ትሕተ ቅርጻ ምምዕባልን

ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቖሪና ብምጽናሓ፡ ክግምገምን ክስተኻኸልን ዝኽእል ናጻ ቁጠባ ክትሃንጽ ኣይከኣለትን። ብድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ፡ ከም ውጽኢት ብኩራት ሰላምን ምርግጋእን ብሓደ ሸነኽ፡ ዝተማለአ ቁጠባዊ ራእዪ ብዘይምህላውን ካኣ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ህልው ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ካብ መዋእል መግዛእቲ ዝፈልዮ ጽኑዕ መሰረት ዝሓዘ ኣይኮነን።

ኤርትራ ከም ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር መጠን፡ መብዛሕትኡ ህዝባ ኣብ ድሑር ሕርሻን ሞጓሰን ዝተሙርኵሰ’ዩ። የግዳስ ብዝተጸንዐ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዉርጹጽ ኣጠቃቕማ እንተዳኣ ተታሒዙ፡ መሬታ ድንግል ስለዝኾነ ተስፋ ዝህብ ብዙሕ ጸጋታት ክህልዋ ይኽእል’ዩ። ከምኡ’ውን ንጹፉፍን ፍትሓውን ምሕደራ እንተ ተረኺቡስ፡ ንብልጽግና ህዝባ ከም ትውዒል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሰልፊ፡ ቁጠባዊ ፖሊሲ ከም ዝስዕብ የቐምጥ፦

  1. 1.ቁጠባዊ ፖሊሲ ንድኽነትን ስራሕ ኣልቦነትን ምንካይ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንዝተፈላለዩ ጽላታት ሃገራዊ ቁጠባ ምምዕባል መሰረት ብምግባር፡ ዕድላት ስራሕ ዘርሕውን ሃገራዊ እቶት ዘዕብን፡ ናይ ውድድር ሓይሊ ዘሎዎ ሓያል ቁጠባ ምህናጽ።
  2. 2.ኣጠቓላሊ ውጥን ልምዓት ንምቕማጥ ዝሕግዝ ነገራውን ዓቕሚ ሰብን ጸጋታት ኤርትራ ንምፍላጥ ሰፊሕ መጽናዕቲ ምክያድ።
  3. 3.ብዙሕነታውን ሓያልን ቁጠባ ንምህናጽ፡ መጠን ሃገራዊ እቶት ምዝያድን፡ ጸጋታት ኤርትራ ብጥዑይ ኣገባብ ምጥቃምን።
  4. 4.ኣገዳስነት ጽላት ሕርሻ ምርግጋጽ። ዕብየት ሕርሻዊ ማእቶት ንምውሓስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምትእትታው።
  5. 5.ብጸጋታት ማይ ብምግዳስ፡ ዘበናዊ ግድባት ምህናጽን፡ ኣብ ሕርሻን ምምንጫው ኤሌትሪክን ምጥቓምን።
  6. 6.ሃገራዊ እቶት ንምድንፋዕ፡ ምዕቡል ስርዓተ ምግፋፍ ዓሳ ምትእትታው።
  7. 7.እንዱስትሪያውን ዕደናውን ወፍሪ ርእሰማል (እንቨስቲመንት) ምትብባዕ። ስትራተጅያዊ እንድስትሪ ምስፋሕ።
  8. 8.ምንጪታት እቶት ንምስፋሕ፡ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ወፍሪ ርእሰማል ምዕዛዝ።
  9. 9.ብተወዳዳሪ ዋጋታት ልዑልን ጽፉፍን ናጻንቱ ዝሓለወ መርበብ ርክባት ስልክን ኣልቦ ስልክን፡ ቴሌቭጅንን፡ እንተርኔትን ኣገልግሎት ምፍቓድ።
  10. 10.ምዕቡል መጓሰ ምትእትታውን፡ ዘይሕጋዊ መጓሰ ምውጋድን። ሕክምና እንስሳ (ቨትሪናሪ) ምዝርጋሕን።
  11. 11.ካብ ኣካባብያዊ ኩነታት ኤርትራ ብምጥቃም፡ ጽላት ትሩስትን ኣገልግሎትን ንምስፋሕ ትሕተ ቅርጻ ምምዕባል።
  12. 12.ባንካውን መኽሰብን ዘድምዕ ገንዘባዊ ፖሊሲ ምኽታል።
  13. 13.ጥዑይ ገንዘባዊ ፖሊሲ ብምኽታል፡ ቁጠባዊ ምዝንባዕ ብምስተኻኽልን፡ ግሉጽነት ብምትእትታውን፡ ናይ ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ትካላት እምነት ንምኽሳብ ምጽዓር።
  14. 14.ሓባራዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባውን ኣህጉራውን ቁጠባዊ ሽርክነት ምህናጽ።
  15. 15.ኣብ ውሻጣውን ኣህጉራውን ቁጠባዊ ውድድር ንምእታው፡ ሕውስዋስን ናጻ ዕዳጋን ምኽታል። ኣሎታዊ ሳዕቤናቱ ኣብ ልዕሊትሑት እቶት ዘለዎም ዜጋታት ንከየስዕብ ምክልኻል።
  16. 16.ናይ ሰራሕተኛታትን ማሕበራትን መሰላት ዝከላኸልን፡ ናይ ካባብያውን ድሕነትን ደረጃ ጽርየትን ዝሕልውን፡ ሕግታት ምሕጋግ።
  17. 17.ብሕታዊ ጽላት ምትብባዕን፡ ንወጻእተኛታት ሰብ ርእሰማል ዝስሕብን ሕጊ ወፍሪ ርእሰ ማል ምሕጋግን።
  18. 18.ኣብ ሕድሕዱ ዝመጋገብ ናይ መሬትን ባሕርን ኣየርን መንገዲ ባቡርን ስርዓተ ሞጎዓዝያ ምህናጽ። ብተመጣጣኒ ዋጋ ደረጃኡ ዝሓለወ ቅልጡፍን ጽፉፍን ኣገልግሎት ከም ዘበርክት ምግባር።
  19. 19.መዕርፎ ነፈርቲ ብሓዲሽ ቴክኔሎጂ ብምህናጽ ደረጃታቶም ክብ ምባልን፡ ስሉጥ ኣገልግሎት ብምሃብ ንቱሪስት ሰሓብቲ ምግባርን፡ ክእለት ተወዳዳርነቶም ምምሕያሽን፡ ኣሰራርሓኦም ምምዕባልን።

20. ኤርትራዊ ውደባት ከም ኣገዳስቲ ቁጠባዊ ሃብቲ መጠን ንምስፋሕን ምምዕባልን ምጽዓት። ናጻ ወደባት ምምስራት።

  1. 21.ኩውንነት ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስርዓተ ጉምሩክ ስሉጥን ምዕቡልን ኣሰራርሓ ክህልዎ ምግባር።
  2. 22.ኩነታት ቀጸላታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእቱ ፖሊሲ ስርዓተ ግብሪ ምቕማጥ። ስሉጥ ኣሰራርሓ ዝህብን፡ ማእቶታዊ ትካላት ዘተባብዕን ግብሪ ዝቅንስን፡ ንናይ ሓባር ስራሕ (ኮፓራቲቭ) ግብሪ ዝምሕርን ክኽውን።

23. ጸረ መዝመዛን ግበታን ሓረጣን ምብኻን ገንዘብ መንግስትን ምቅላስ። ከምኡ’ውን መንግስታዊ ወጻኢታት ምንካይን፡ ካብ ባጀት ወጻኢ ዝግበር ወጻኢታት መንግስቲ ምቁጽጻርን።

24. ብስርዓተ ማልን ምሕደራን ዝቅየድ ናይ ሃይማኖታዊ ትካላት ንብረት ዝሕልው ናጻ ኣካል ምቋም።

25. ባህሊ ልግስን ወለንታዊ ዕዮን ንምትብባዕን፡ ውጥናት ልምዓት ንምድጋፍን፡ ህዝባዊ ትካላትን ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ንህዝቢ ረዴት ኣብ ምሃብ ምስታፍ።

ሓሙሻይ፦ ትምህርታዊ ፖሊሲ

ናይ ዝኾነ ሕብረተ ሰብ ቀንዲ ስልጣኔ፡ ዝተማሃረ ሕብረተ ሰብ ምህናጽ’ዩ። ዓለማዊ ስልጣኔ ከርክባ ዝድልያ ሃገራት፡ ምዕቡል ልምዓት ብምርግጋጽ፡ ንትምህርትን ስነ ፍልጠታዊ ምርምርን ቀንዲ ቀዳምነታት ዝህባ’የን።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ጽኑዕን ምዕቡልን ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝሃንጽ፡ ንትምህርቲ ናብ ፖለቲካ ቀይርዎ። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ በ’ስገዳድ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ ሰብ ምጽዓኑ፡ ንከባብታት እስላም ምድንቋርን፡ ቋንቋ ዓረበኛ ምርሓቅን ግደኣ ምህማሽን ዝዓለመ’ዩ፡ ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘመሓድረሉን ዘሎ ጊዜ፡ ህጻናት ካብ’ቲ ኣገዳሲ ክፋል ዕድምኦም ብቋንቋ ኣደ ኣብ ምምሃር ክሕልፍዎ ምንም ጥቅሚ የብሉን። ስለ’ዚ፡ ስሙር ሃገር ዝሃንጽን፡ ምስ ናይ ውሽጥን ወጻኢን ኩነታት ክዋሳእ ዝኽእል ሙሁር ወለዶ ዝፈጥርን፡ ፖሊሲ ትምህርቲ ምቕራጽ የድሊ። በዚ መሰረት፡ ሰልፊ፡ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ዝስዕብ ክከውን ይርእይ፦

  1. 1.ትምህርቲ መሰል ኩሉ ዜጋ’ዩ። መንግስቲ ብዘይ ኣድልዎ ንዜጋታት ትምህርቲ ብማዕረ ክቕርብ ይግባእ።
  2. 2.ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ኣህጉራዊ መቀየሲ ዝህልዎን፡ በብጊዜኡ ብቐጻሊ ዝግምገም ዝቕየስን ክኸውን።
  3. 3.ትምህርቲ ኣብ ሓቀኛ ተደላይነታት ሃገር ዘትከለን፡ ሃገራዊ መንነትን ስብኣዊ ክብሪታትን ዘስርጽን፡ ስልጡን ሕብረተ ሰብ ዝሃንጽን ክኸውን።
  4. 4.ተደላይነታት ሕብረተ ሰብን ጠለባት ዕዳጋን ኣብ ግምት ዝወስድ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካዳሚያውን ተክኒካውን ትምህርታት ብመጠንን ዓይነትን ጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ምምጥጣን።
  5. 5.ስርዓተ ትምህርትን ኣገባብ ምምሃርን ምስ ትምሃርን፡ ምስ ኣድላይነት ቀጻሊ ምዕባለ ሰነ ፍልጠት ብዝቃዶ መንገዲ ምሕዳስ።
  6. 6.መንግስቲ ወጻኢታት መሰረታዊ ክፋል ስርሕት ትምህርቲ ንምሽፋን ሓላፍነት ክወስድን፡ ንትምህርቲ ድማ እኹል ባጀት ክስልዕን።
  7. 7.ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከከም ደረጅኡ ብዓረበኛን ትግርኛን እንግልዝኛን ክኸውን።
  8. 8.ዩኒቨርሲቲታትን ማእከላት ምርምርን፡ ናይ ምሕደራውን ገንዘብን ምምሃርን፡ ናይ ምርም ናጽነት ክህልወ ምግባር።
  9. 9.ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ኣስገዳድን ብናጻን ክኸውን።
  10. 10.መንግስትን ዩኒቭርሲቲን ብሕታዊ ጽላትን፡ ንስነፍልጠታዊ ምርምር ከም ዝተተባብዓ ምግባር።
  11. 11.መምህር ናብርኡ ንምምሕያሽ ፍሉይ ኣቃልቦ ብምሃብ፡ ቐጻሊ ስልጠናን መልመላን ምሃብ።
  12. 12.መዋእለ ህጻናትን ማእከላት ባህልን መናፈሻታትን ምስፋሕ።
  13. 13.ሰብ ፍልይ ተውህቦታትን መሃዝትን ኤርትራውያን ምሕብሓብ።
  14. 14.ኣብ ኤርትራ መሃይምነት ንምጥፋእ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝሕወስዎ ወፈራታት ምክያድ።
  15. 15.መንግስቲ ንትምህርታዊ ወፍሪ ርእሰማል ከም ኣገደስቲ መሻረኽቲ ልምዓት ብምውሳድ ከተባብዕን፡ ኣብ ናይ ሃይማኖታት ፍሉይ ትምህርቲ ኢድ ዘይምእታውን።

ሻዱሻይ፦ ባህልን ጥበብን ዜናን

ንሓደ ህዝቢ ኣብ ኣተሃላልዋኡ ዘጽንዕን ኣብ ማሕበራዊ መዳዩ ዝተኣሳሰርን ብባህሊ ዝዋሳእን ንምህናጽ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ክብ ዘብልዎ ውጡናት ምስኣል የድሊ። ከምኡ’ውን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንባህሊ ከም ኣገባብ ሆይ-ሆይን ምዕናው ክብሪታትን ክጥቐመሉ ጸኒሑ ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ታሪኽን ጥብብን ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ተበላሽይዎ ዘሎ ምምጽራይ የድሊ። ናይ ሰልፊ ባህላውን ዜናውን ፖሊሲ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1.ህላወን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ስሩጽ ክብርታትን እምነታትን ሕብረተ ሰብ ምዕቃብ።
  2. 2.ኣብ ክሊ ሓድነት፡ ሃይማኖታውን እትኒካውን ብዙሕነት ዝመሰረቱ ሃገራዊ ባህሊ ምስራጽ። ስኒታዊ ባህሊ ዝሃንጽ ምዕሩይን ሓባራውን ባህሊ ምፍጣር።
  3. 3.ደረስትን፡ ስነሓሳባውያንን፡ ስነ ጥበባውያንን፡ ምህዞኦምን ውጽኢት ስርሓቶምን ኣብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ ኣብ ረብሓ ልምዓት ሃገር ከውዕልዎ ምትብባዕ።
  4. 4.ባህላውን ቋንቋውን ብዙሕነት ብምጥቃም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕቑር ክእለት ዜጋታት ንምፍንጃር ኣብ ኩሉ ኣውራጃታት ባህላውን ስነ ጥበባውን ማእከላት ምህናጽ።
  5. 5.ጠቓሚ ባህልታት ንምውሳኽ፡ ኣብ ዓለም ፍቱሕ ምዃን።
  6. 6.ሓባራዊ ሃገራውነት ንምህናጽ፡ ብክኢላት ላዕለዎት ሙሁራት ኣቢልካ ሃገራዊ ታሪኽን ውህሉል ስልጣኔን ኤርትራ ዳግም ምጽሓፍን፡ ሓዲሽ ወለዶ ክማሃሮ ምግባርን።
  7. 7.ዓለም ካብ ብጽሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ ቴክኖሊጂ ዝጥቀም ኣድማዕን ናጻን ዜናውን ፎርምን ትካላት ምህናጽ።
  8. 8.ሓርነትን ናጽነትን ዘፍቅድን፡ ኣሰራርሓኡ ዝውድብን ሕጊታት ምሕጋግ።
  9. 9.ታሪኻዊ ቦታታትን ቅርስታትን፡ ከም ታሪኻውን ሃገራውን ሃብቲ መጠን ምዕቃብን ምሕላውን።
  10. 10.ታሪኻዊ ቅርስታት ኤርትራ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ምእታው። ኣብ ዓለማዊ ቅርስታት ንምምዝጋቦም ምጽዓር።

ሻብዓይ፦ ክንክን ጥዕና፡

ኣህጉራዊ ቻርተራት ከም ዝውስኖ፡ ጥዕናዊ ክንክን መሰረታዊ ማሕበራዊ መሰል ደቂ ሰባት’ዩ። ምዕቡል ጥዕናዊ መዳይ ከም ምልክት መዐቀኒ ገስጋስ ሃገር’ዩ ዝቆጸር። ኣብ ምክልኻልን ምፍዋስን ዘትከለ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ንኩሉ ዜጋታት፡ እንከላይ ንኩነታት ሰብ ትሑት እቶት ኣብ ግምት ዘእትውን ብዝተመጣጠነ ዋጋ ምቕራብ። ናይ ሰልፊ ጥዕናዊ ክንክን ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1)ብክኢላታት ሓካይምን ተሓጋገዝቶምን፡ ብምዕቡል ክሊኒካዊ መሳሪሕታትን ዝውንን ሆስፒታላትን ጥዕናዊ ማእከላትን ምቋም።
  2. 2)ናይ ህጻናት ክታበት ምስፋሕን ኣስገዳድ ምግባሩን።
  3. 3)መድሃኒታት ብተመጣጠነ ዋጋታት ኩሉ ዜጋ ንክረኽቦ ምጽዓትን፡ እንዱስትሪያዊ መድሓኒትን ጥዕናዊ ምርምርን ምትእትታው።
  4. 4)ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንምምዕባል፡ ኣገልግሎት ጥዕናዊ ድሕነት(እንቹራንስ) ምምዕባልን፡ ኣሰራርሓኡ ክብ ምባልን።
  5. 5)ዓበይትን ድኹማትን ምክንኻን። ካብ ስድራ ቤቶም ዝጅምርን ክብሪ ዘሎዎ ማእከላት ክንክንን ምህናጽ።
  6. 6)ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገማት ንዘሎዎም ምሕብሓብን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቐጻሊ ምሕብሓብ ምግባር።
  7. 7)ጥዕናዊ ካድራት ንምድላውን ምስልጣንን ትኩር ተገዳስነት ምግባርን፡ ኩነታቶምን ሞያኦምን ምምሕያሽን።

ሻሙናይ፦ ስድራቤትን ህጻናትን

ፍቕርን ሓድነትን ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ ንምህናጽ፡ ስድራቤት እምነ ኩርናዕ’ያ። መደብ እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን እዚ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1)ማኣስር ስድራ ቤት ምሕያልን፡ ክብሪታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ መሰረት ኣብ ዝገብር ጥዑይ ምልመላ፡ ማሕበራዊ ግደ ስድራቤት ምድንፋዕን።
  2. 2)ስድራቤት ንምምስራት፡ መንእሰያት ንመርዓ ምትብባዕን፡ ፕሮጀክት መርዓታት ምድጓምን።
  3. 3)ስድራቤት ምዕቃብን፡ ደቂ ኣንስትዮን ፍሉይ ጸገማት ዝህልወንን ከይምዝምዛ ምእንቲ፡ ምስጥራውን ያታውን መርዓ ዝኽልክል ሕጊ ምሕጋግ።
  4. 4)ፍትሕ ኣብ ስድራቤት ዘስዕቦ ሓደጋታት ምብታን ብምርዳእ፡ ብቐጻሊ ብዛዕባ ሓደጋታት ፍትሕ ምንቕቓሕ። ስድራቤታዊ ፕሮጀክት ምድጓም።
  5. 5)ዕጥና ኣደን ህጻንን ምሕላው።
  6. 6)መሰል ጥዑይ ሂወት ህጻናትን፡ መግብን፡ መድሃኒትን፡ ትምህርትን ዘዕቅብ ሕግታት ምሕጋግ። ከምኡ’ውን ማእከላት መዋእለ ህጻናትን ማእከላት ኣለይቲ ዘኽታማትን ምቋም።
  7. 7)ህጻናት ምምዝማዝ ዝክልክል ሕጊ ምሕጋግን፡ ጸገማት ተመዛበልቲ ህጻናት ንምፍታሕ ምጽዓርን።

ታሻዓይ፦ ደቂ ኣንስትዮ

ደቂ ኣንስትዮ ዓንዲ ስድራቤትን ፍርቂ ሕብረተሰብን ከም ምዃነን መጠን፡ ብዘይ ኣድማዕን ህያውን ግደ ደቂ ኣንስትዮ ደንፋዒ ሕብረተ ሰብ ምህላው ክሕሰብ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ትርጉም ስብኣውነት ዝሓቝፋ ኣገዳሲ ስርዓተ ሰብኣውነት’የን። ሓዲስ ሽሪፍ ከም ዝበሎ ’’ ደቂ ኣንስትዮ ኣሓት ኣሰብኡት’የን ’’ ፡ ስለ’ዚ ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ መሰል ዘሎዎም፡ መሰል ኣሎወን። ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ ጉቡኣት ዘሎዎም፡ ዝምልከተን ጉቡኣት ኣሎወን። ልዕሊ’ዚ ኩሉ ድማ ጥዑይ ሕብረተ ሰብ ንምህናጽ ’’ሓደራኹም!! ሓደራኹም ንደቂ ኣንስትዮ’’፡ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፖሊሲ ሰልፊ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1)ኣብ ትምህርታዊ መዳይ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ፡ ኣብ ትምህርታዊ መዳይ ንረብሓ ደቂ ኣንስትዮ መትከል ኣወንታዊ ሓለፋ ምእማን።
  2. 2)ኣብ መዳይ ፍልጠት ዘሎ ማሕበራዊ ምዝንባዕ ንምዕራይ፡ ምምሃር ደቂ ኣንስትዮ ግድን ክሕይል ኣለዎ፡ ኣውራ ካኣ ኣብ ገጠራት።
  3. 3)ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓፈሻዊ ሂወት ንምስታፍ፡ ኣብ ምሕደራ ሕብረተሰብ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕርነታዊ መሰለን ምርግጋጽ።
  4. 4)ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ባህላውን ሂወት ብንጥፈት ንክሳተፋ ምትብባዕ። መሰረታዊ ግደአን ንምጕላሕ ድማ ምትብባዐን።
  5. 5)መሰል ዋንነት፡ ዕዮን፡ ደሞዝ ዝኽፈሎ ኣድላዪ ዕርፍትታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዕቅብ ሕግታት ምሕጋግ።
  6. 6)ንደቂ ኣንስትዮ ምስ ፍሉይነታተንን ባህርያዊ ግደአንን ዘይሰማምዕን፡ ምስ ኣካላተንን ስምዒታተንን ዘይምጣጠንን ጉዳያት ክሰርሓ ንከይግደዳ ምግባር።
  7. 7)ደቂ ኣንስትዮ ብጉልበትን ጾታን ምምዝማዝን፡ ስድራ ቤታዊ ዓመጽን፡ ዝኽልክል ሕግታት ምሕጋግ።
  8. 8)ጎዳኢ ያታዊ ባህሊ ሕብረተ ሰብ ምውጋድ።

ዓሽራይ፦ መንእሰያትን ስፖርትን

መንእሰያት ከም ኣገዳሲ ኣፍራዪ ሓይልን፡ መጻኢ ዕድል ሃገርን መጠን፡ ኣብ ትምህርትን ፍልጠትን ማሕበራውን መዳያት ደረጃታቶም ዝብርኽን፡ ስነእምሮኣውን ኣካላውን ምርግጋእ ዝፈጥረሎምን፡ ዓቕሚታቶም ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተ ሰብ ዘውዕልን፡ ንመጻኢ ዘዳልዎምን ፖልሲ ምቕማጥ። ናይ ሰልፊ ፖሊሲ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1.ማእቶታዊ ፕርጀክቲታት ብምስፋሕ፡ ንመንእሰያት ዕድላት ስራሕ ምፍጣርን፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ኪማሃሩን፡ ባህላዊ ዓቕሞም ክሰፍሕን ምግባር።
  2. 2.ትምህርታውን ሃይማኖታውን ትካላት ንመንእሰያት ናብ ብሉጽን ጠቓምን ክብሪታት ምድራኽ።
  3. 3.መንእሰያት ብዝተወደበ መንገዲ ክእለታቶምን ግደታቶም ክብ ንምባል፡ ውዳቤታት መንእስያትን ተማሃሮን ስካውትን ምድጓም።
  4. 4.ማሕበራት ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃን ዩኒቨርስቲን ምቛምን፡ መርሕነታዊ ተውህቦኦም ንምጕላሕ መጠናዊ ናጽነት ምሃቦምን። ሓላፍነት ንምስካም ምምልማሎምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምልከቶም ጉዳያት ክውሰን እንከሎ ክሳተፉ ምግባር።
  5. 5.መንእስያት ምስ ናይ ካልኦት ባህልታትን ተሞኩሮታትን ንምልላይ ባህላዊ ማእከላት ምቋም። ጥሙሓቶም ከዕብዩ ድማ ምትብባዕ።
  6. 6.መንእሰያት ኣብ መንግስታውን ሰልፋውን ሕብረተሰብኣውን ትካላት ብምስታፍ፡ መርሕነታዊ ክእለታቶም ከዕቢዩ ምጽዓትን፡ ናይ ፖለቲካን ሕጊታትን ፍልጠቶም ክብ ምባልን።
  7. 7.ንመሃዝነት ምትብባዖምን፡ ዓቕሚታቶም ናብ ሰናይ ግብሪ ምቕናዕን፡ ተውህቦኛታትን ብሉጻትን ምሕብሓብን። ፍሪያቶም ኣብ ሃገራውን ዓለማውን ፈስቲቫላት ከቕርቡ ምትብባዕ።
  8. 8.መጻኢኦምን መጻኢ ሃገሮምን ካብ ዝህዲድ እኩይ ስነ ምግባርን ሓደጋታትን ንምምሓው ብስነእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኦም ምግዳስ።
  9. 9.ክእለታት መንእያት ንምሕቍፍን፡ ተውህቦታትም ንምድህሳስን፡ ኣብያተ ትምህርታዊ ስፖርት ምምዕባል። ዝተፈላልዩ ዓይነታት ስፖርት ምትብባዕን፡ ንብሉጻት ምሽላምን።
  10. 10.ስፖርታዊ ማእከላት ምምዕባልን፡ ኣብኡ ዝነጥፉ ብምዕቡል መሳርሒታት ምስልጣንን።
  11. 11.ክብርታት ሃገራዊ ሓድነትን ስኒትን ሃገራውነትን ንምስራጽ፡ ናይ ባህልን ማሕበራውን ስፖርትን ሃገራውነትን ኣተሓሳስባታት ኣብ ሕድሕዱ ዘተኣሳስር ስፖርታዊ ክበባት ምቋም።

ዓሰርተ ሓደ፦ ኣካባቢ ምሕላው

ደቂ ሰባት ኣብ ሂወቶም ዘድልዮም ነገራት ካብ መሬትን ማይን ንፋስን መግብን’ዮም ዝረኽብዎ። ኣካባቢ ንደቂ ሰባት ኣብ ሂወቶምን ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ፍጥረታትን ይጸልው’ዩ። ከምኡ’ውን ደቂ ሰባት ብግደኦም ንኣካባቢ ይጸልዉዎ’ዮም። ደቂ ሰባት ኣብ ጥዑይ ጥዕናዊ ሂወት ንምባርን፡ ኣካባቢ ድማ እናተሓደሰ ዉህብቶታቱን ንምቕጻልን፡ ኣካባቢ ምዕቃብ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ፦

  1. 1)ኣካባቢ ካብ ብከላን ዕንወትን ምሕላው። በርጌሳዊ ማሕበራት ዝሳትፍዎ ኣብ ህዝቢ ኣካባብያዊ ንቕሓት ምዝርጋሕ።
  2. 2)ብናይ ባህርያያዊ ኣካባብን ስልጣኔን መጽናዕቲታት ምግዳስ።
  3. 3)ምድረ ባድነት ንምፍዋስ፡ ሰፊሕ ቦታታት ዝሽፍን ናይ ምግራብ ስራሓት ምትብባዕ።
  4. 4)ኣግራብ ምክንኻንን ዘይሕጋዊ ምቍራጽ ገረብ ምክልኻልን፡ ባህሪያዊ ሞጓሰ ምዕቃብን።
  5. 5)ካብ ኣህጉራዊ ትካላት ኣካባቢ ተሞኩሮታት ንምቅሳምን ግደፍ ንምርካብን፡ ምስኣቶም መስኖታት ምኽፋት።

ዓሰርተ ክልተ፦ ዋኒነት መሬትን ኣባይቲን

ዋንነት መሬት ኣብ ኤርትራ፡ ርስታዊ፡ ወይ ኣብ ሓደ ዓዲ ናይ ዝቕመጡ ህዝቢ ሓባራዊ ዋንነት’ዩ። ከም ሞጓሰን ዕንጸይቲ ምቍራጽን ዝኣመሰሉ ኣብ ክሊ ናይ ሓባር ስለዝቁጸር፡ ዝኾነ ኣብኡ ዝግበር ተግባራት ብናይ’ቶም ኣብኡ ዝነብሩ ህዝቢ ስምምዕ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። ሕቶ መሬትን ኣባይትን ብስንኪ ምትእትታው መሰላት ወልቀ ሰባትን መንግስትን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሕቶ ከም ምዃኑ መጠን፡ ፍትሕን ኩውንነትን ኣብ ግምት ዘእትው ለባም ፖሊሲ ምሕጻጽ የድሊ። ናይ ሰልፍና ፖሊሲ እዚ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1)ኩሉ ዝተሃገረ መሬትን ግርሆታት ጨውን ብመንገዲ ፖለቲካዊ ውሳኔ፡ ናብ’ቶም ቀንዲ ዋናታቱ ምምላስን፡ ነቲ ኩነታት ብሕጋዊ ኣገባብ ምፍታሕን።
  2. 2)ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መሬትን ኣባይትን ዝሓደጎ ኣሰራትን፡ ዝፈጠሮ ዲሞግራፍያዊ ለውጢ ሓቍፍዎ ዘሎ ሓይል ምጥቛስን ባእታ ኩናት ሕድሕድን፡ ብዝተጽንዐ ኣገብባ ምእላይ።
  3. 3)ኣብ ዋኒነት መሬት፡ ናይ ቀዳሞት ተቐማጦ መሰልን፡ ግርሆታት ጨውን፡ መንግስቲ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ንምትግባር ዝህልዎ መሰልን፡ ዝሕልው ሕጊታት ምሕጋግ።
  4. 4)ንረብሓ ሓፈሻዊ ክበሃል መሬቶም ዚተምንዘዑ ዜጋታት፡ ኣብ ሞንጎኦምን መንግስትን ብዝግበር ርድየታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ፍትሓዊ ካሕሳ ኪወሃቡ ምግባር።
  5. 5)መንግስቲ ሓረጣ (ሪባ) ዘይብሉ ልቓሕ ብምሃብ ሽግር ኣባይቲ ንምፍታሕ ምጽዓር።
  6. 6)ኩነታት ድኻታት ሸነኻት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእትወ ዋንነትን ክራይን ዝሰርዕ ፍትሓዊ ሕግታት ምሕጋግ።

ዓሰርተ ሰለስተ፦ በርጌሳዊ (ስቭል) ማሕበራትን ህዝባዊ ምሕደራን

ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ከም ትሕዘ ጸኒሓዊ ሕብረተሰብ መጠን፡ ስድራ ቤታውን እንዳውን ቀቢላውን ማሕበራዊ ማኣስር፡ ኣብ ሰነ ምግባር ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ጌና ግደኡ ይጻወት ኣሎ። እዚ ማኣስር’ዚ፡ ኣብ ምፍታሕ ግጭታት ይኹን፡ ኣብ ምእሳር መውስቦን፡ ሕድሕድ ሰናይ ምድግጋፍን፡ ኣገዳሲ ግደ የበርክት’ውን ኣሎ። እዚ ድማ ብዘበናዊ ተረደኦ ምስረታ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝኽልክል ኣይኮነን። ስለ’ዚ፦

  1. 1.ማሕበራውን ቁጠባውን ልምዓታውን ሽግራት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ንምግጣም፡ ናይ መንግስቲን ቤርጌሳዊ ማሕበራትን ጻዕሪታት ምውህሃድ።
  2. 2.በርጌሳዊ ማሕበራት ኣብ ልምዓትን ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታትን መሰረታዊ መሻረኽቲ ሓይልታት ከም ምዃኖም መጠን፡ ዕዮታቶም ዝስርዕን፡ ካብ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዝከላኸለሎምን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ፈጸምቲ ኣካላት ዘይቐጥታዊ ምቁጽጻር ግደኦም ዘድምዕን፡ ሕግታት ምሕጋግ።
  3. 3.ዕላማን ኣሰራርሓን ምወላን በርጌሳዊ ማሕበራት ግሉጽነት ዘሎዎ ክኸውን ኣሎዎ። ከምኡ’ውን ኣብ መሰረት ዲሞክራሲ ዘትከላን፡ ኣባላቶም ግሉሕ ግደ ኪህልዎም መታን ብስነ ፍልጠታዊ ስልጠናታት ክምልምላ ይግባእ።
  4. 4.ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ዕላማታት ልምዓት ንምርግጋጽ፡ ሕብረተሰብን፡ ወልቀ ሰብን ዳግም ምህናጽን፡ ንቕሓት ሕብረተ ሰብ ንምዕባይ ህዝባዊ ጎስጓስ ከካይዳ ይግባእ።
  5. 5.ሰብኣዊ ሰናይ ዕዮ ንምምዕባል ደንፋዒ ግደ ክህልዎም ምግባርን፡ ካብ ናይ መንግትን ሰልፍታትን ወልቀሰባትን ዕብለላ ምሕላዎም።
  6. 6.ህዝባዊ ሰላም ንምርግጋጽን፡ ግጭታት ንምፍታሕን፡ ሃናጺ ማሕበራዊ ያታታት ንምዕቃብን፡ ኣሰራርሓ ህዝባዊ ምሕደራታት ምምዕባል።
  7. 7.ኣብ ሰረታት በርጌሳውነት ዝተመስረተ ሕብረተስብ ንምህናጻን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽን፡ በርጌሳዊ ማሕበራት ምድጋፍ።
  8. 8.ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝቆጻጸሩን፡ ምስ ናይ ሓፈሻዊ ሓርነታትን ፖለቲካውን ሕልናውን እሱራት ዝጣበቑ ኣህጉራዊ ውድባት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓባበሩን፡ ኤርትራዊ ናጻ ሰብኣዊ ማሕበራት ምቋም።
  9. 9.ናጻ ውሳኔ ዘሎዎም ሞያውን፡ ማሕበረ ጉጅለኣውን፡ ማሕበራት ምቋም ምትብባዕ።
  10. 10.ንህጻናትን መንእሰያትን ኣርኮላዊ መስተን ኣደንዘዝትን ምትካኽ ስጃራን ዝስዕቦ ሓደጋታት ዘነቓቕሑ ማሕበራት ምቋም ምትብባዕ።
  11. 11.ንመሰል ሸማቲ ዝከላኸሉን፡ ማሓዙት ኣካባብን፡ ተፈጥሮ ካብ ብከላን ምድረ ቤዳነትን ዝከላኸሉን፡ ቤርጌሳዊ ማሕበራት ምቋም ምትብባዕ።

ዓሰርተ ኣርባዕተ፦ ስሩዕ ሰራዊት

ሀ/ ሰራዊት፦

ብቕዓትን ምዕቡል ዘመናዊ ኣጽዋርን ዝውንን ዝተማለአ ሃገራዊ ሰራዊት ምህናጽ ማለት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓጺናዊ ግዝኣት ምጽዓንን፡ ጸረ ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ምስዋርን ማለት ኣይኮነን። ሰራዊት ልዑል ዕማም ኣሎዎ። ንሱ ድማ ሓድነት ህዝብን ሃገርን፡ ሃገራዊ ናጽነትን ልዕላውነትን ዝህድዱ ሓደጋታት ንምግጣም’ዩ። ከምኡ’ውን ከም መንኮርኵር ልምዓት መጠን ዓቕምታቱ ኣብ ልምዓት ምስታፍ’ዩ። ስለ’ዚ ፖሊሲ እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ’ዩ፦

  1. 1.ሰራዊት ኣብ ንጹር ሃገራውን ሞያውን ሰረት ክምስረት ኣለዎ። ኣካላውን ስነእምሮኣውን ብቕዓት ብዘሎዎ ባእታታት ከኣ ይቐውም።
  2. 2.ኣሃዱታት ሰራዊት ሞያዊ ክእለት ንምውናን ብልዑል ወተሃደራዊ ሰነ ፍልጠታዊ ስልጠና ዝሰልጠኑ ምዃን።
  3. 3.ቅዋማዊ ኣካላትን ዶባትን ንምክልኻልን፡ ግድነታውን መሰረታውን ሽቶኡ ንምህራም ክኽእልን፡ ዘበናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ክኸውን ኣሎዎ።
  4. 4.ልዑል ወተሃደራዊ ኣብያተ ትምህርትን፡ ወተሃደራዊ ኢንዱስሪን ዘበናዊ ትክኔሎጂን ዝውኒን ክኸውን ኣሎዎ።
  5. 5.ባህሪያዊ ሓደጋታት ምግታእን፡ ኣብ ጉዕዞ ማሕበረ ቁጠባዊ ልምዓት ምስታፍን።
  6. 6.ሰራዊት ኣብ ናይ ፖለቲካን ሰልፍታትን ግርጭት ከይጥሕል ምግባርን፡ ኣብ እዋን ምርጫ ዘይሻርነት ሰራዊት ምውሓስን።
  7. 7.ንሰራዊት ማእገር ዝኸውን ልዑል ሃገራዊ ስምዕትን፡ ወተሃደራዊ ክእለትን፡ ቅሩብነት ውግእን ዘሎዎ ዕቑር ሓይሊ ምቋም።
  8. 8.ውሳኔ ኩናትን ሰላምን ብሕጋውን ፈጻሚን ኣካላት መንግስቲ ዝውሰን ይኸውን።
  9. 9.ብጉዳይ ስድራቤታት ስዉኣትን ውጉኣት ኩናትን ምግዳስን፡ ጉዳዮም ዝምልከቶም ትካላት ምምስራትን።
  10. 10. መንእሰያት ዝምልምልን፡ ዓቕሚታቶም ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዘውዕልን ብመሰረት ስነፍልጠት ዝተጸነዐ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፖሊሲ ምቕማጥ።

ለ/ ጸጥታን ስለያን

ዝኾነ ሃገር ብዝተፈላለየ ትካላት ኣቢሉ፡ ከም ጸጥታን ስለያን ንዜጋታቱን ዶባቱን ክከላኸል መሰል ኣሎዎ። እዚኦም ትካላት’ዚኣቶም ሕጋዊ ሓላፍነቶም እንከይ ሰገሩ ንሰላምን ምርግጋእን ሕብረተ ሰብን ውልቀ ሰብን ብዝስዕብ ዝሰርሑ’ዮም፦

  1. 1)ግልጽነትን ሃገራውነትን ሞያን ዘሎዎ ምምዳብ።
  2. 2)ኣድላይ ትምህርትን፡ ብቑዕ ስነእምሮኣዊ ክእለትን ኣካላውነትን ዘማለአ ክኸውን።
  3. 3)ነዚ ተሃዋሲ ዕማም’ዚ ንምፍጻም፡ ናይ ዝመደቡ ባእታታት መዐቀኒታት በብደረጃኡ ምስራዕ።
  4. 4)ጸጥታን ሰላምን ሕብረተ ሰብን ሃገርን ንምውሓስ፡ ቀንዲ ካብ ቀዳምነታቱ ምስጥራትን ፖለቲካውን ቁጠባውን ወተሃደራውን ክእለታት ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብ።
  5. 5)ንዜጋታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ካብ ዝኾነ ንረብሓታቶምን ዝጎድእን፡ ሽሞም ዘጕድፍን ምክልኻል።
  6. 6)ጸረ ሽበራን፡ ኮንትሮባዳን፡ መደንዘዝትን፡ ሕጽቦ ማልን፡ ውዱብ ገበናትን ምቅላስ።
  7. 7)ካብ ግዳም ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ ቁጠባውን ወተሃደራውን ጸጥታ ኤርትራ ዝህዲድ   ተጻብኦኣዊ ስለያዊ ንጥፈታት ብኣጋኡ ምምካን።
  8. 8)ክፍልታት ጸጥታ ዜጋታት ካብ ምፍርራህን ምሽባርን ብምርሓቅ ብመሰረት ሕጊ፡ ሃገራዊ ግደኦም ምፍጻም።
  9. 9)ክፍልታት ጸጥታ ሓላፍነታቶም ብጌጋ እንተዳኣ ተጠቒሞም ብሕጊ ዝሕተቱ ክኾኑ ምግባር።

ሐ/ ፖሊስ

ፖሊስ ኣገልጋሊ ህዝቢ’ዩ። ኣቋቍማኡ ኣብ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ንመንግስቲን ፍርዳዊ ኣካላትን ዝሕግዝ በርጌሳዊ ኣካል’ዩ። ከምኡ’ውን ንሕጊታት ዘኸብርን ስሉጥ ኣገልግሎት ንዜጋታት ዘቐርብን’ዩ። ኣብ መደባቱ ዝስዕብ ኣብ ግምት ምእታው፦

  1. 1)ፖሊስ ኣጠቓላሊ ተዕሊም ክወስድ ኣሎዎ።
  2. 2)ንሕብረተ ሰብን ንብረትን ሂያው ትካላትን ምሕላውን፡ ስርዓት ምስፋንን፡ ናይ ሕብረተ ሰብ ስልጡን ስነምግባር ምኽባርን።
  3. 3)ንህዝቢ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ምቅራብ።
  4. 4)ስቭላዊ ምክልኻን ምግታእ ሓደጋታትን ምምዕባል።
  5. 5)ጠንቅታት ምምዝባል ምፍታሕ።
  6. 6)ናይ እሱር ሰብኣውነት ምኽባርን፡ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ምምሕያሽን።
  7. 7)ፖሊስ ካብ ዝጥቐመሉ ምሕር ሓይሊ ንህዝቢ ዝከላኸል ሕጊታት ምሕጋግ።

ሓሙሻይ ምዕራፍ፦ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት

ቀዳማይ፦ ዝምድናታት ወጻኢ

ሃገራት ናይ ህዝብታተን ረብሓታት ንምርግጋጽን፡ ዓለማዊ ሰላምን ርግኣትን ምዕባሌን ንምስፋንን፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጥዑይ ዝምድናታት ንምህናጽ ይጽዕራ’የን። ኣብ ርእስኡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ወተሃደራውን ምሕዝነታት ንምድልዳል፡ ዉዑላትን ፕሮቶኮላትን ይፈራርማ’የን።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቀዳሞት ዓመታትን እትረኽቡ ዝነበረት ምድንጋጽን ደገፍን ናብ ተጻባእነት ቀየሮ። ኤርትራ ኣብ’ዚ ኣዋን’ዚ ጸረ ጎረባብቲ ሃገራት ተኽቷኺት ኩናትን፡ ትዕብተኛን፡ ኣብ ኣሰራርሓኣ ምስ ኣህጉራዊ ውድባት ግልጽነት ዘይብላን፡ ልዕሊ ዓቕማ እትንቀሳቐስን’ያ። ስለ’ዚ ንመጻኢት መንግስቲ ኤርትራ ዞባውን ኣህጉራውን ዳግመ ምትእምማን ምፍጣር ሓደ ካብ ከጋጥማ ዝኽእል ብድሆታት’ዩ።

ካልኣይ፦ ዝምድና ኤርትራን ዓረባውን እስላማውን ዓለም

ዝምድና ኤርትራን ዓረባውን እስላማውን ዓለም ኣብ ባህላውን ስልጣኔኣውን ታሪኻውን ሓባራዊ ረብሓታትን ሱር ዝሰደደ ዝምድና’ዩ። ሓባራዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ድማ ዝያዳ ምሕያሉ የድሊ። ስለ’ዚ፦

  1. 1)ምስ ኩለን ዓረባውን እስላማውን ሃገራት ድልዱል ዝምድና ምህናጽ።
  2. 2)ኤርትራ ከም ርትዓዊ መሰል፡ ኣብ ዓረብ ሊግን ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝን ምጽንባር።
  3. 3)ህዝቢ ፍሊስጥኤም ምእቲ ርትዓዊ መሰሉ ምርግጋጽ ኣብ ኩሉ ዞባውን ኣህጉራውን ዓውዲታት ምድጋፍን፡ ዝካኣል ሓገዛት ምሃብን።

ሳልሳይ፦ ፍሉይነት ዝምድና ኤርትራ ሃገራት ኣፍሪቃን

ኤርትራ ኣካል ታሪኽን ትጽቢትን ኣፍሪቃ’ያ። እዚ ዝምድና’ዚ ካኣ ብዝበለጸ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረጋገጽ’ዩ። ስለ’ዚ፦

  1. 1)ምስ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ባህሊ ሰላም ምስፋንን፡ ዱባዊ ግጭታት ምፍታሕን።
  2. 2)ኩናት ሕድሕድ ኣብ ምውጋድን፡ ማሕበራውን ባህላውን ቁጠባውን ድሕረት ምግጣምን ምትሕብባር።
  3. 3)ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሕድሕዱ ዝመጋገብ ቁጠባ ንምህናጽ፡ ካብ ሃብትን ዝተፈላለዩ ክእለታትን ኣፍሪቃ ምጥቃም።
  4. 4)ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሰባትን ሸቐጣትን ዶባት ምኽፋት። ታሪፍ ጉምሩክ ንምውህሃድ ስምምዓት ምፍሪራም።
  5. 5)ዝምድና ኤርትራ ብፍሉይ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ንግዳውን ባህላውን መዳያት ምሕያል።

ራባዓይ፦ዝምድና ኤርትራን ሃገራትን ውድባትን ዓለም

ኤርትራ ምስ ኩለን ሃገራትን ህዝቢታትን ዓለም ጥዑይን ሓያልን ዝምድና ክህልዋ ይግባእ። ስለዚ፦

  1. 1)ኤርትራ ኣብ ኩሉ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ንጡፍ ኣባል ክትከውንን፡ ኣብ ኩሉ ኣህጉራዊ መመደሪታት ብንጥፈት ምውሳእን።
  2. 2)ምስ ኩሎም ህዝቢታት ዓለም ብሓፈሻ ፖሊሲ ስኒትን ምሕዝነትን ምኽታልን፡ ፍትሓዊ ሕቶታት ምድጋፍን።
  3. 3)ዝምድና ኤርትራ ምስ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘትከለ ይኽውን።
  4. 4)ኣድልዎን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽልክላ ስምምዓት ምቕባል።
  5. 5)ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባር ግደኣ ምዕዛዝ።

 

اعلي الصفحة